ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሲ.ፒ.ጄይ ኣብ ክልል ትግራይ ተኣሲሮም ዘለው 5 ጋዜጠኛታት ብቅልጡፍ ክፍትሑ ጸዊዑ


ኮሚቴ ተሓላቂ ድሕነት ጋዜጠኛታት(CPJ): ምምሕዳር ክልል ትግራይ ነቶም ኣሲርዎም ዘሎ ሓሙሽተ ጋዜጠኛታት ንክፈትሖም ተማሕጺኑ።

ሓሙሽተ ጋዜጠኛታት ተሌቭዥን ትግራይ ዝሓለፈ ግንቦትን ሰነን ከምዝተኣሰሩ ኮሚቴ ተሓላቂ ድሕነት ጋዜጠኛታት ገሊጹ።

ወኪል ኮሚቴ ተሓላቂ ድሕነት ጋዜጠኛታት ሳኪ "እቶም ጋዜጠኛታት፣ ምስ’ቲ ጸላኢ ዝብልዎ ፌደራል መንግስቲን ገዛኢ ፓርቲ ብልጽግናን ይተሓባበሩ ነይሮም ዝብል ክሲ ቀሪብዎም ኣሎ፣ ከምዚ ዝኣመሰለ ክሲ ድማ ሙሉእ ዕድመ ማእሰርቲ ወይ መቅጻዕቲ ሞት ዘስዕብ እዩ" ይብል።

ወኪል ኮሚቴ ተሓላቂ ድሕነት ጋዜጠኛታት ኣብ ትሕቲ ሳሃራ ኣፍሪቃ ሙቶኪ ሙሞ ብወገና "ኣብ ክልል ትግራይ ንዝቀሳቀሱ ጋዜጠኛታት ፖለቲካ ዝመበገሲኡ ጉዳይ ዒላማ ክንከውን ኢና ኢሎም ከይፈርሑ ብናጻ ክነብሩን ክሰርሑን ይግባእ" ትብል።

ብመሰረት ምንጭታት'ቲ ኮሚተ፣ ኣብ ክልል ትግራይ ተኣሲሮም ካብ መንጎ ዘለው ጋዜጠኛታት እቶም ክልተ፣ ፌደራላዊ መንግስቲ ንክልል ትግራይ ተቆጻጺሩ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፣ ኣብ ቴለቭዥን ትግራይ ይሰርሑ ዝነበሩ’ዮም።

ካብ ወሃቢ ቃል ክልል ትግራይ ግብረ መልሲ ንምርካብ ሲ.ፒ.ጄይ ዝገበሮ ፈተነ ኣይሰለጠን።

እዚ ከምዚ'ሉ ከሎ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዘንበሮ ናይ ርክባት ዕጽዋ ዘስዓቦ ሕጽረት መግቢ፣ ምቁራጽ ኤለክትሪክ፣ ኣገልግሎት ባንኪን ካልኦትን ንከልዕሎ ሲ.ፒ.ጄይ ጸዊዑ።

XS
SM
MD
LG