ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሲፒጀይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንጋዜጠኛ ኒው ዮርክ ታይምስ ምብራሩ ኮኒኑ


ንጋዜጠኛታት ዝሕለቕ ትካል CPJ Africa መንግስቲ ኢትዮጵያ ንናይ ኒው ዮርክ ታይምስ ሪፖርተር ሳይመን ማርክስ ምብራሩ ኮኒኑ።ናይ ፕረስ ፍቓዱ ኣብ መጋቢት ዝተሰረዘ ክኸውን ከሎ ትማሊ ሓሙስ ሰበስልጣን ኣብ ቁፅፅር ብምውዓል ሰጕጎምዎ ኣለው።እዚ ዝኸውን ዘሎ ዝተናውሐ ናይታ ሃገር ምርጫ ቅድሚ ሓደ ወርሒ እዩ ይብል CPJ ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ መልእኽቲ።

መንግስቲ ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ኣሕመድ ነቲ ምብራር ብምስሓብ ሳይመን ማርክስ ናብ ኢትዮጵያ ተመሊሱ ብነፃነት ክሰርሕ ፀዊዑ ኣሎ።እቲ ምስጓግ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፀብፃባት ብፍላይ ድማ ግጭት ትግራይን ምርጫን ንምቁፅፃር ዝኸደሉ ንውሓት ኣብነት እዩ ኢሉ CPJ።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብቶም ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ነፃነት ፕረስ ከምዘንቆልቆለን ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ቀዳማይ ምንስቴር ኣብ ዝኾንሉ እዋን ዝነበረ ተስፋ ኣብ ግምት ብምእታው ዘጉሂ እዩ ኢሉዎ ኣሎ።

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣምባሳደር ዩናይትድ ስቴትስ ሊንዳ ቶማስ ግሪን ፊልድን ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ኢንግሊዝን እውን ኣብ እዚ ሰሙን ብትዊተር ኣቢሎም ስኽፍትኦም ገሊፆም ኣለው።

ኣምባሳደር ሊንዳ ፆታዊ ዓመፅን ንጋዘጠኛታት ዒላማ ምግባርን ሓዊሱ ኣብ ትግራይ ዝቐፀለ መግሃስትታት ሰብኣዊ መሰላት ኣዚዩ ዘሻቕል እዩ፤ፈፀምቱ ክኣ ክሕተቱ ኣለዎ ኢለን።ኤርትራ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ዝኣተወተቶ ቃል ወታደራታ ካብ ኢትዮጵያ ክተወፅእ ኣለዋ ኢለን ኣምባሳደር ሊንዳ።

ኣምባሳደር ኢንግሊዝ ኣብ ኢትዮጵያ ኣላስቴይር ሚክፌይል ብወገኖም ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ምፅብፃብ መሰሎም ዝምንጠሉ ዘለው ጋዜጠኛታት ዘሻቕል እዩ ብፍላይ ድማ ናይ ትግራይ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታውን እታ ሃገር ናብ ምርጫ ትምርሽ ኣብዘላትሉን እዋን ምዃኑ እዩ ኢሎም ብናይ ቲዊተር መልእኽቶም።ሰበስልጣን ጋዜጠኛታት ህዝባዊ ኣገልግሎት ዝህቡ ምዃኖምን ስርሖም ክሰርሑ ምፍቃድን ክርድእዎ እፅውዕ ኢሎም።

XS
SM
MD
LG