ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብቁጽሪ እሱራት ጋዜጠኛታት ኣብ ኣፍሪቃ: ግብጺ ቀዳማይ፡ ኤርትራ ካልኣይ፡ ኢትዮጵያ ሳልሳይ ደረጃ ምሓዘን ሓደ ጉጅለ ተሓላቒ ጋዜጠኛታት ተገሊጹ


ጸብጻብ ተሓላቒ ደሕንነት ጋዜጠኛታት /CPJ/
ጸብጻብ ተሓላቒ ደሕንነት ጋዜጠኛታት /CPJ/

ኣብ ኣሜሪካ ዝመደበሩ ተሓላቒ ደሕንነት ጋዜጠኛታት /CPJ/ ቁፅሪ ኣብ ዙሪያ ዓለም ተኣሲሮም ዘለው ጋዜጠኛታት ዝገለፀሉ ዓመታዊ ፀብፃብ ኣውፂኡ።

ብመሰረት እቲ ፀብፃብ ኣብዚ ንዛዝሞ ዘለና ዓመተ 2016 ኣብ ዙሪያ ዓለም 259 ጋዜጠኛታት ተኣሲሮም ይርከቡ ክብል ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እዚ ጸብጻብ ኣብ ኣፍሪቃ ግብፂ 25፣ኤርትራ 17 ኢትዮጵያ ከኣ 16 ጋዜጠኛታት ብምእሳር ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ደረጃ ምሓዘን’ውን እቲ ትካል ገሊጹ።

ኣብ መላእ ዓለም ጋዜጠኛታት ምክልባትን ምእሳርን እናገደደ ምምጽ ኡ ትካል ተሓላቒ ደሕንነት ጋዜጠኛታት(CPJ) ኣዝዩ ከምዘጉሃዮ ዝገለጹ ተጸዋዒ’ቲ ጉጅለ ሙሬቲ ሙቲጋን ብፍላይ ኣብ ቱርኪ ኣብ ዝበላ ሃገራት ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት ዝፍጸም መትቓዕቲ እዝዩ ከምዝገደደ ጠቂሱ ኣብ ኣፍሪቃ’ን እቲ ኩነታት ተጋዲዱ’ሎ ኢሎም።

ንሶም ብተወሳኺ ኣብ ሶማል ኩነታት ምእሳር ጋዜጠኛታት ምምሕያሱን ኣብዚ ሕጂ እዋን ዝተአሰረ ጋዜጠኛ ከምዘየለን ሓቢሮም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ምሉእ ትሕዝቶ እቲ ጸብጻብ ኣብዚ ምንባብ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG