ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ. ትራምፕ ውፂታዊነቱ ዘይተረጋገጸ 30 ሚሊዮን ዶዝ መድሓኒት ዓሶ ክዕደግ ኣዚዞም


ውፅኢታዊነት ናይቲ መድሓኒት ዘረጋገጸ መፅናዕንቲ እንተዘይሃለወ እውን ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣሜሪካ ኮቪድ-19 ንምሕካም 30 ሚሊዮን ዶዝ ሃይድሮዛይክሎሮኵን ምዕዳጋ ኣፍሊጦም።ትራምፕ እቲ መርትዖ ብመፅናዕቲ ዝተደገፈ ኣይኮነን ኢሎም ላዕለዎት ክኢላታቶም መጠንቀቕታ እንተሃቡ እውን እቲ መድሓኒት ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ምድፍኦም ቀፂሎም ኣለው።

ሰባት ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ነቲ መድሓኒት ብበዝሒ ይዕድጉ ብምህላዎም ኣብ ኣፍሪቃ መድሓኒት ፀረ ዓሶ ካብ መደብራት መሸጢ መድሓኒታት /ፋርማሲታት/ ይፅንቀቕ ምህላው'ውን ተሓቢሩ'ሎ።

ኣብ ናይ ትራምፕ ግብረ ሓይሊ ፀረ ኮሮናቫይረስ ላዕለዋይ ክኢላ ጥዕና ኣንቶኒ ፋውቺ ግን እቲ መድሓኒት ንኮሮናቫይረስ ይሰርሕ እዩ ዝብል ዘይተረጋገጸ እዩ ክብሉ ብተደጋጋሚ ይገልፁ።

XS
SM
MD
LG