ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምውንጫፍ ሞትን መልከፍትን ንዓለም ዘጨነቐ ለበዳ ኮሮናቫይረስ


ኣብ ዓለም ዝርግሐ ኮቪድ-19 ብኢሱዎ ቀፂሉ ኣሎ፤ልዕሊ ሓደ ሚሊዮን ሰባት ተለኺፎም ኣለው።ኣብ ዩናይትድ ስቴትስ ጥራሕ ኣስታት ርብዒ ሚሊዮን ሰባት ብኮሮናቫይረስ ተታሒዞም ኣልው።

ልዕሊ 6,500 ዜጋታት ዝሞቱዋ ዩናይትድ ስቴትስ ካብዝኾነት ትኹን ሃገር በብዝሒ ዝተትሓዙ ሰባት ካብ ዓለም ቀዳመይቲ ኮይና ኣላ።ልዕሊ 257,000 ሽሕ ሰባት ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም ኣለው።

ኣብ ዓለም ዝተለኸፉ ናብ ልዕሊ ሓደ ሚሊዮን ዝሞቱ ድማ ናብ ልዕሊ 55,000 ደይቡ ኣሎ።

ዋይት ሃውስ ምስፍሕፋሕ ናይቲ ቫይረስ ንምክልኻል ሰባት ናይ ኣፍንጫን ኣፍን መሸፈኒ /ማስክ/ ክጥቀሙ ሎማዕንቲ ዓርቢ መልእኽቲ ከሕልፍ ትፅቢት ይግበር።ቅድም ክብል ግን ማስክ ዝርግሐ ናይቲ ቫይረስ ናይ ግድን ይክላኸል እዩ ማለት ኣይኮነን ክብል ፀኒሑ እዩ።

ናይ ኒው ዮርክ ከንቲባ ቢል ዲ ብላሲዮ ነበርቲ ሻሽ፣መሃረም ወይ ኣብ ገዛ ዝስራሕ መሸፈኒ ክጥቀሙ መኺሮም ኣለው።ናይ መጥባሕቲ ማስክን ግን ንሰብ ሙያ ጥዕና ኣዚዮም ኣገደስቲ ስለዝኾኑ ሰባት ክጥቀሙ ከምዘይብሎም ወሲኾም ሓቢሮም።

ናይ ሎስ ኣንጀለስ ከንቲባ ኤሪክ ጋርሰቲ እውን ስባት ክወፁ ከለው ማስክ ክገብሩ ምዒዶም።

ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ላዕለዋይ ክኢላ ተላገብቲ ሕማማትን ንፕሬዝዳንት ዶናልድ ትራምፕ የማኽሩዎም ዘለውን ዶክተር ኣንቶኒ ፋውቺ ትማሊ ሓሙስ ምስ CNN ኣብ ዘካየድዎ ቃለ ምልልስ እታ ሃገር ምስ ኮሮናቫይረስ ኲናት ገጢማ ኣብ እትርከበሉ ኣብዚ ሕዚ እዋም ገለ ክፍለ ግዝኣታት ንምንታይ ሰባት ካብ ገዛ ከይወፁ ትእዛዝ ከምዘይህቡ ክርድኦም ከምዘይክኣለ ገሊፆም።

‘’ኣብታ ሃገር ይኸውን ዘሎ እንተሪኢኻ ስለምንታይ ነቲ ትእዛዝ ከምዘይንእውጅ ኣይርድአንን ዘሎ’’ ኢሎም ፋውቺ።

በዝሒ ናይ ስሞቱ ዘለው እናወሰኸ እውን እንተኾነ ትራምፕ ሰባት ኣብ ምሉእ እታ ሃገር ኣብ ገዛውቶም ኮፍ ክብሉ ንምእዋጅ ድልየት ኣየርኣዩን።እቲ ናይ ምእዋጅ ውሳነ ንተን ክፍለ ግዝኣታት ብምግዳፍ።

ዋሽንግተን ዲሲ ሓዊሱ ኣስታት 30 ክፍለ ግዝኣታት ንኣገዳሲ ጉዳይ ተዘይኮይኑ ነበርቲ ካብ ገዛውቶም ከይወፁ ኣዚዘን ኣለዋ።

ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ US ምስፍሕፋሕ ኮቪድ -19 ንምዕጋት ናይ ምንባርን ምሟትን ሓደጋ ንዘለዎም ሰባት ጥራሕ ፓስፖርት ከምዝሕትም ኣብ መርበብ ሓበሬትኡ ኣውፂኡ ኣሎ።እቲ ህፁፅ ኩነታት ከቢድ ሕማም፣ መቑሰልቲ ወይ ኣባል ሓደ ስድራ ሞት እንተጋጢሙ ኣብ ውሽጢ 72 ስዓታት ካብ US ንምጉዓዝ ዘድልዮ እንተኾይኑ ይሓውስ ።

ናይ US ስርዓት ጥዕና ኣብ ፈተና ይርከብ።ሆስፒታላት ብሕሙማት ተፃቢቦም ሰራሕተኛታት ሕክምና ዘድልዮም ቀረብ ናውቲ መከላኸሊ እውን ከቢድ ሕፅረት ኣጋጢሙዎም ኣሎ።ነርስታትን ዶክተራትን ሆስፒታላት የጋጥሞም ብዛዕባ ዘለው ሽግራት ንመራኸቢብ ብዙሃን ኣብ ምግላፅ ይርከቡ።

ሓንቲ ነርስ ንABC News ከምዝበለቶ ንሳን መሳርሕታን ናብ ስራሕ ክኸዱ ከለው ከም ንማሕረዲ ዝኸይድ ዘሎ

በጊዕ ከምዝስምዖም ገሊፃ።ንCNN ቃላ ዝሃበት ካልእቲ እውን ትሰርሓሉ ዘላ ሆስፒታል እቲ ቫይረስ ዘለዋ እንተኾይኑ ንክምርምራ ሓቲታ ከምዝኣበያ ገሊፃ።

ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ኣብ ዩናይትድ ስቴትስ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙናት ልዕሊ 10 ሚሊዮን ሰባት ካብ ስራሕ ንዝቦኸረ ዝውሃብ ሓገዝ ገንዘብ ንምርካብ ኣመልኪቶም ኣለው።

ኣብ ኣውሮፓ ውድብ ድሕነትን ምትሕብባርን ዝተብሃለ ትካል ኮሮናቫይረስ ኣብ ዓለም ንፀገም ዝቃልዑ ሰባት ዝዓበየ ፅልዋ ከምዝ ህልዎ ሎማዕንቲ ዓርቢ መጠንቀቕታ ኣውፂኡ።

ባንኪ ዓለም ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ን25 ድኻ ሃገራት ዓለም ኣስታት 2 ቢሊዮ ዶላር ፈንድ ኣፅዲቑ ኣሎ።

ህንዲ፣ፓኪስታን፣ስሪ ላንካ፣ኣፍጋኒስታን ኢትዮጵያን ዝዓበየ ክፍሊት ክረክባ እየን።እቲ ሓገዝ ብፍላይ ንማስክን ናይ ኦክስጂን መተንፈስን ሓዊሱ ንወሰንቲ ናይ ሕክምና ናውቲ መግዝኢ ዝኸውን እዩ።

ብኻሊእ ዜና መብዛሕቲኦም ዕዳጋታት ኢሲያ ሎሚ ዓርቢ ወርዶም ውዒሎም፤ናይ ጃፓን ኒከይ 0.01 ሚእታዊ ወሰኽ ኣመዝጊቡ ኣሎ።

ኢንቨስተራት ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ቁጠባ ዓለም ብምህሳዩ ኣብ ስግኣት ኣብ ዝርከቡሉ ግዜ ፕሬዝዳንት ትራምፕ ስዑዲ ዓረብን ሩሲያን ፍሪያት ነዳዲ ክንክያ እየን ዝብል ሪኢቶ ብምሃቦም ነቲ ምውራድ ዕዳጋ ኣስተዋፅኦ ከምዝገበረ ይግለፅ ኣሎ።

ኣብ ኣውሮፓ ቀንዲ ዕዳጋታት ለንደን፣ፍራንክፈርትን ፓሪስን ቁፅሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ካብ ሓደ ሚሊዮን ንላዕሊ ድሕሪ ምድያቡ ቁሩብ ወሪዱ ኣሎ።

ትማሊ ሓሙስ ፅቡቕ ዝወዓለም ዕዳጋ US ዋጋ ሓደ በርሜል ነዳዲ ብምውሳኹን ቁፅሪ ስራሕ ዘይብሎም ሰባት ናይ ምንሃሩ ዜናን ምስተሰምዐ ሎማዕንቲ ዓርቢ ነገቲቭ ኮይኑ ኣሎ።እዚ ድማ ናይ US ዕዳጋታት ምድካሞም ዝሕብር እዩ።

XS
SM
MD
LG