ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ እገዳ ኮቪድ-19 ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ገዛውተን ክሓርሳ ይግደዳ ከምዘለዋ ተሓቢሩ


ሓላፊ ኣብ ኣዳማ /ናዝሬት/ ዝመደበሩ ማእኸል መዋልዳን Marie Stopes International ቀኔሳ ኩመራ ብሕርሲ ዝተታሓዛ ደቂ ኣንስትዮ ናይ ብፅሑልና ናይ ስልኪ ደወል ከስምዓ መዓልታዊ ፍፃመ ኮይኑ ኣሎ።

ቀኔሳ ኢትዮጵያ ንምስፍሕፋሕ ኮሮናቫይረስ ደው ንምባል ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቡቕ ናይ ጉዕዞ እገዳ ኣብ ግብሪ ምስ ኣውዐለት ኣብቲ ማእኸል መዋልዳን ክበፅሓ ዘይኽእላ መዓልታዊ 10 ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ስልኪ ከምዝድውላ ይገልፅ ።

እቲ ፀገም ኣገልግሎት ኣምቡላንስ ኣብዘይብሉ ድኻ ከባቢታት ዝዓበየ ከምዝኸውን ይዛረብ።

‘’ሎሚ ንጉሆ’’ ይብል ንሱ ‘’ሓንቲ ኣምቡላንስ ደሊያ ደዊላ።ቅድሚ ሎሚ ክልተ ግዜ ብሓገዝ መጥባሕቲ ዝተገላገለት ብምኳና ሎሚ እውን ንሳልሳይ መጥባሕቲ ቆፀሮ ነይሩዋ።መጎዓዚያ ስለዘየለ ኣምቡላንስ ሓቲታ።ብቕልጡፍ ልኢኽናላ ንሳልሳይ ግዜ ብመጥባሕቲ ሓሪሳ ኣላ’’ ክብል ገሊፁ።

ንሱ ብምውሳኽ ተመሳሳሊ ዕድል ዘይረኽባ ካልኦት ደቂ ኣንስትዮ ብዘይካ ሓገዝ ሕክምና ኣብ ገዛውተን ይሓርሳ ንዘለዋ ስኽፍትኡ ይገልፅ።ኣብ ጥዕንአን ፀገመ ከምዘጋጥመን እውን ዘጠራጥር ኣይኮነን ይብል ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ፓርላማ ኢትዮጵያ ሰበስልጣን ንምንቅስቓስ ሰባት ዝኽልክል ስልጣን ዝህብ ሃገርለኸ ህፁፅ ግዜ ኣዊጁ ኣሎ።ድሮ ኣብያተ ትምህርቲ፣ መዘናግዒ ባራት፣ኣብያተ መግቢ፣ስነ ጽባቐ ጸጉሪን ዝኣመሰሉን ተዓፅዮም ኣለው።

ክልላት ኦሮሚያ፣ኣምሓራ፣ሃረሪን ትግራይን ንምስፍሕፋሕ ናይቲ ቫይረስ ንምክልኻል ናይ ህዝቢ መጎዓዚያ ከልኪለን ኣለዋ።

XS
SM
MD
LG