ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤት ፍርዲ ሕቶ ዋሕስ ቐሺ በላይን ካልኦት ተኸሰስቲ ነጺግዎ


ናይ ሓሶት ሰነድ ብምጥቃም ካብ ሒሳብ ሕብረት ኣፍሪቃ ሽዱሽተ ቢልዮን ብር ንምውጻእ ፈቲኖም ብዝብል ዝተኸሰሱ ሓሙሽተ ውልቀሰባት ጉዳይ ሎሚ ሰኑይ ዝሰምዐ ቤት ፍርዲ ንዝቐረበ ሕቶ መሰል ዋሕስ ነጺጉ።

ቀዳማይ ተኸሳሲ ቀሺ በላይ መኮነን ካልኣይ ተከሳሲ ኢያሱ እንዳለ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብጠበቓታቶም ኣቢሎም ዘቕረብዎ ሕቶ መሰል ዋሕስ ሎሚ ሰኑይ ኣብ ዝወዓለ መጋባእያ ብቤት ፍርዲ ተነጺጉ’ሎ።

ጠበቓታት ተኸሰስቲ ዝቐረበ ክሲ ምስ ናይ ብልሽውና ኣዋጅ ዝቓደው ከምዘይኾነን ከቢድ ናይ ብልሽውና ክሲ ንናይ መንግስቲ ወይ ህዝባዊ ኣገልግሎት ወሃብቲ ትካላት ሰራሕተኛታት ከምዝኾነ እንተገለጹ ዓቃቢ ሕጊ ግን ከቢድ ናይ ምጭብርባር ገበን ፈጺሙ ዝብል ክሲ ዝቐረበሉ ውልቀሰብ መሰል ዋሕስ ዝክልኸል ክሲ ክቐርበሉ ከምዝኽእል ንኣዋጅን ሕጊ ገበንን ብምጥቃስ የረድኡ።

ሳልሳይ ተኸሳሲ ናይ ክሲ መቃወሚ ሎሚ ዘቕረቡ ክኾኑ ከለው ራብዓይን ሓሙሻይ ተኸሰስቲ ግን ክሳብ ሕጂ ናብ ሕጊ ከምዘይቕረቡን ፖሊስ ክቕርቦምን ምስ ዘይክእል ድማ ካብ ዝነብርሉ ከባቢ ናይ ጽሑፍ መረጋገጺ ከቕርብ እቲ መጋባእያ ኣዚዙ’ሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG