ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀሺ በላይን ካልኦት 4 ውልቀሰባትን ክሲ ብልሽውና ተመስሪትዎም


ቀሲስ በላይ መኮነን
ቀሲስ በላይ መኮነን

ኣብ ንግዲ ባንኪ ኢትዮጵያ፡ ካብ ሕሳብ ሕብረት ኣፍሪቃ ናይ ሓሶት ሰነድ ተጠቒሞም ልዕሊ 6- ሚልየን ዶላር ከዘዋውሩ ብምፍታን ዝተጠርጠሩ ቀሺ በላይ መኮነን ምስ ኣርባዕተ ካልኦት ውልቀሰባት ከቢድ ናይ ብልሽውና ክሲ ተመስሪትዎም።

ዓቃቢ ሕጊ ሎሚ ዓርቢ ኣብ ልዕሊ`ቶም ተኸሰስቲ ከቢድ ዝብሃል ክልተ ክስታት ኣቕሪብሎም ኣሎ። ጠበቓ ቀሺ በላይ ብርሃኑ በጋሻው ብወገኑ ነቲ ኽሲታት ዝቃወም ሙጉት ከምዘቕርብ ኣፍሊጡ`ሎ። ቤት ፍርዲ ንዝመጽእ ሰሙን ክቐርቡ ቆጸራ ሂብዎም ኣሎ።

እቶም ሃይማኖታዊ መራሒ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ልዕሊ 6-ሚልየን ዶላር ክፍሊት ዝሓትት ናይ ሓሶት ሰነድ ሒዞም ገንዘብ ከውጽኡ ምስ ቀረቡ`ዮም ተታሒዞም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG