ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ላዕለዎት ኣባላት ኣመራርሓ ኦነግ ዝርከቡዎም 24 ሰባት ክፍትሑ ቤት ፍርዲ ወሲኑ


Court justice illustration
Court justice illustration

ኣባል ፈፃሚ ስራሕን ማእኸላይ ኮሚቴን ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ሓዊሱ ኣብ ሓደ መዝገብ ዝተኸሰሱ 24 ሰባት ብዋሕስ ክፍትሑ ናይ ኦሮሚያ ፍሉይ ዞባ ፊንፊኔ ቤት ፍርዲ ወረዳ ሱሉልታ ወሲኑ።

እቲ ቤት ፍርዲ ትማሊ 29 ነሓሰ 2012 ዓ\ም ኣብ ዘውዓሎ መጋባእያ ሕድ ሕዶም ብ10,000 ብር ዋሕ ክፍትሑ ምውሳኑ ናይቶም እሱራት ጠበቓ ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ገሊፆም።

ኣቶ ከኔሳ ኣያና፣ዶክተር ሽጉጥ ገለታ፣ኮሎኔል ገመቹ ኣያናን ካልኦትን ናይ ዝርከቡዎም ተኸሰስቲ ጠበቓ ዝኾኑ ኣቶ ከዲር ቡሎ እዮም ንክፍትሑ ምውሳኑ ዝገለፁ።

ፖሊስ ንቶም እሱራት ንትማሊ ዓርቢ ከቕርቦም ቅድም ክብል ቤት ፍርዲ ንፖሊስ ኮሚሽን ክልል ኦሮሚያን ቤት ህንፀት ከተማ ቡራዮን ትእዛዝ ሂቡ እንተነበረ እውን ተኸሰስቲ ግን ከምዘይቐረቡ እቶም ጠበቓ ገሊፆም።

ቤት ፍርዲ ንዝቐረበ ክርክር ጠብቓን ዓቃቢ ሕግን ምስ ሰምዐ ብዋሕስ ክወፁ ውሳነ ሂቡ ኣሎ ኢሎም ኣቶ ከዲ።

XS
SM
MD
LG