ዋሽንግተን —
ኣብ ሱዳን ዝቐጸለ ኲናት ነታ ሃገር ናብ ከቢድ ሕንፍሽፍሽ ከጥሕላ እዩ ዝብል ስግኣት ኣብ ዝሓየለሉ መንግስታት ወጻኢ ሃገራት ኣብ ሱዳን ንዝርከቡ ዲፕሎማተንን ዜጋታተንን ንምውጻእ ይጓየዩ'ለዉ።
መብዛሕትኤን ሃገራት ዜጋታተን ንምውጻእ ወታሃደራዊ ነፈርቲ ዘዋፈራ ክኾና ከለዋ ፈረንሳ ኣብ ጁቡቲ ንዘሎ ናይ ሓይሊ ኣየር መደበራ ተጥቂማ'ላ።
ብሪጣንያ'ዉን ኣብ ቆጵሮስ ካብ ዘሎ ናይ ሓይሊ ኣየር መደበራ ወታሃደራት ኣዋፊራ'ላ። ኣመሪካ እዉን ክወጹ ንዝደልዩ ዜጋታታ ኣብ ምሕጋዝ ከምትርከብ 'ገሊጻእላ ።
እንተኾነ 'ግን ኹሉ ብጹቡቅ ይካየድእሎ ማለት አይኮነን። ብሪጣንያ ገለ 2-ሽሕ ዝኾኑ ዜጋታታ ገና ኣብ ሱዳን ይርከቡ። ብዙሓት እዉን ብዛዕባ እቲ መደብ ምውጻእ መንግስታቶም እኹል ሓበሬታ ከምዘይሃብዎም የማርሩ።