ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ኢትዮጵያ 801.65 ቢልዮን ብር ባጀት ኣጽዲቑ


ካቢነ ሚኒስቲራት ኢትዮጵያ፣ በጀት ዝመጽእ ዓመት 801.65 ቢልዮን ብር ንክኸውን ወሲኑ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ አብ ዘውጸኦ መግለጺ እቲ በጀት ንምሕላፍ ከም ቀንዲ ረቋሒታት ዝተወሰዱ፣ ምሕላው ድሕነት ሃገርን ብኲናት ዝዓነው ትሕተ ቅርጺ ምህናጽን ዝብል ከምዝኾነ ኣፍሊጡ።

ክኢላ ቁጠባ ዶ/ር ቆስጠንጢኖስ በርሀ ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ካብ ዘስዐቦ ጉድኣት ብተወሳኺ ሎሚ’ውን ኣብ ገለ ከባቢታት’ታ ሃገር ይራኣዩ ዘለው ግጭታት ኣብ ልዕሊ’ቲ በጀት ከቢድ ተጽዕኖ ከምዝህልዎም ሓቢሮም።

ዶ/ር ቆስጠንጢኖስ ወሲኾም መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ለገስቲ ሃገራትን ትካላትን ሓገዝ ገንዘብ ንምርካብ ከምኡ'ውን እግሪ ንምትካልን ዘኽእሎ ዲፕሎማሲያዊ ጻዕሪታት ንከስጉም ኣዘኻኺሮም።ብሕልፊ ለገስቲ ሃገራትን ትካላትን ምስ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ተኣሳሲሩ፣ ተሓታታይነት ምስፋን ከምኡ'ውን ምስ ሸርፊ ወጻኢ ተታሒዙ ዝላዓሉ ፍልልያት ምፍታሕ ከምዘድሊ ገሊጾም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG