ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'Corporate Council of America' ኣብ ኢትዮዽያ ዘሕደሮ ተገዳስነት ኢንቨስትመንት


Stephen Hayes
Stephen Hayes
ኣብ ኣፍሪቃ መዋእለ-ሃብተን ዘዋፍራ ኣስታት ሰማንያን ሓሙሽተን ኩባንያታት ኣሜሪካ፣ኣብ ኢትዮዽያ ዕድላት ንግድን ኢንቨስትመንትን የቋምታን መባእታዊ ስራሕቲ ኣብ ምፍፃም ከምዝርከባን፣ቀንዲ ኣካያዲ ስራሕ Stephen Hayes,CEO of Council Coporate of America,ገሊፆም።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ከምዝነበሩ ዝጠቀሱ ሚስተር ሄይስ፣ ኢትዮዽያ ንንግድን ኢንቨስትመንትን ኣሜሪካ ጥጡሕ ባይታ ከምዘለዋ ስለዝተረዳእና፣ኣብ‘ታ ሃገር ኣቲና ንናይ ኣሜሪካ ኩባንያታት ክሰርሐኦ ዝካኣለን ዕድላት ንምንፃርን ምስ ኢትዮዽያውያን ንምፍላጥን ዕላማ እቲ መገሻ ከምዝነበረ ሓቢሮም።

ንሶም ምስ ፕረዚደንት ሙላቱ ተሾመ፣ዝምልከቶም መንግስታዊ ሰበ-ስልጣንን ኣባላት ካቢነ ኢትዮዽያን ከምኡውን ምስ ናይ‘ታ ሃገር ሰብ ሃብቲን ውልቀ-ዘፈርን ተራኺቦም ምዝታዮም‘ውን ይዛረቡ።ቀ/ሚ ሃይለማርያም ደሳለኝ ኣብ‘ቲ እዋን ኣብ ውሽጢ ሃገር ምናልባሽ ስለዘይነበሩ ናይ ምርኻብ ዕድል ኣይነበረንን‘ውን ኢሎም።
ንሙሉእ ሪፖርት ኮርፖሬት ካውንስል ኦፍ ኣሜሪካ ኣዳምፁ
please wait

No media source currently available

0:00 0:08:35 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG