ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ሰባት ካብ ገዛውቶም ከይወፁ ብሰንኪ ዝተነበሩ ትእዛዛት ብሽሾ ህዝቢ ይመልኡ ዝነበሩ ጎደናታት ዓበይቲ ከተማታት ዓለም ሓዊሱ ከምዝተወረረ ጭር ኢሎም ይርከቡ።
ጎደናታት ካብ ትራፊክ መኪናታት ሳሕዮም ይርከቡ።ሰማያት እውን ካብ ኣናእሽቱን ናይ ፅዕነትን መካይናት ዝበንን ጡሽ ከይተበከል ንፁር ወይ ፅሩይ ከምዝኾነ ፀብፃባ ይሕብሩ።
ኣብ ልዕሊ ደበና ዘሎ ትራፊክ ግን ስሩዕን በቲ ዝተቐመጠሉን ይኽየድ ኣሎ ይብል ፀብፃብ መሳርሕትና ኣራሽ ኣራብ ኣሳዲ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሰለስተ ተመራመርቲ ህዋ ካዛኪስታን ካብ ዝርከብ ማእኸል መወንጨፊ መንኮርኩር ናብ ዓለምለኸ ስፔስ ስቴሽን/ISS/ ተጓዒዞም ነይሮም።ሽዱሽተ ስዓት ዝወደአ ጉዕዞ።
ኣብ መሬት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ቅድሚ ምልዓሉ ንዝተጉዓዙን ኣብቲ ማእኸል ዓለምለኸ ህዋን ንዝነበሩን ንምትካእ እዮም ተጓዒዞም።ጀሲካ መይር ሓንቲ ካብቶም ናብ ዓዳ ተመፅእ ዘላ እያ።ንሳ ‘’ኣብቲ ማእኸል ኮይና ኣብ ዝ ሃበቶ ሪኢቶ ኣብ ትሕቴና ኣብ እትርከብ ፕላኔት እዚ ኹሉ ኩነታት ክፍፀም ኣዚዩ ዝገርም እዩ።ክነግረኩም ዝደሊ ግን ካብዚ ዘለኹዎ ክሪኣ ከለኹ መሬት ከም ወትሩ ዝገርም ፅባቐ ኣለዋ።ንስድራይን ኣዕሩኽተይን ሕቑፍ ኣቢለን ኣብ ዝባኖም ጥምጥም ኢለን ሰላምታ ክለዋወጥ ዘይምኽኣለይ ግን ንዓይ ኣፀጋሚ እዩ ክኸውን’’ በለት።
ብምኽንያት ስግኣት ኮቪድ-19 እተን መንኮራኩራት ክድይባን ኣብ መሬት ክዓርፋን ዝነበረ ድሙቕ ኣቀባብላ ህዝቢ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣይነበረን ሕዚ እውን ኣይህሉን።
ሓደ ካብ ISS ዝምለስ ተመራማሪ ህዋ ክሪስ ካሲዲ ብዘይካ ልሙድ ውዕውዕ ድምፂ መሰነይታን ኣቀባብላን ንዕኡ ጋሻ ነገር ከምዝኾኖ ይዛረብ።
ካሲዲን መጕዕዝቱን ናብ መሬት ክምለሱ ከለው እቲ ውዕውዕ ድምፂ ኣይፅበዮም።ኣብ ካዛኪስታን ምስወረዱ ናብ ሁስተን ክመፁ እዮም።