ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ግጥም ኣንፃር ለበዳ ኮሮናቫይረስን ፖለቲካዊ ቓልሲን ኣብ ኣሜሪካ


መራሕቲ ክፍለ ግዝኣታትን ፌደራል መንግስቲ ኣሜሪካን መን ተወሳኺ ሓገዝ ገንዘብን መመርመሪ ኮቪድ-19ን ረኸበ ይሟገቱ ኣብዘለውሉ ሕጂ እዋን ኣንፃር ኮሮናቫይረስ ይካየድ ዘሎ ኵናት ፖለቲዊ ቓልሲ ኮይኑ ኣሎ።

ዶክተራትን ነርስታትን ህይወት ንምድሓን ኣብ ዝቃለስሉ ዘለው ኣብ ኮንግረስ ኣሜሪካካልእ ቓልሲ ይካየድ ኣሎ።እቲ ክትዕ ንነኣሽቱ ነጋዶ ዝተመደበ ገንዘብ ድሕሪ ምፅንቃቑ ተወሳኺ ገንዘብ ንመን ይውሃብ ዝብል ሓደ እዩ።ሪፓብሊካዊያን እቲ ተወሳኺ ገንዘብ ንነኣሽቱ ነጋዶ ጥራሕ ክወሃብ ይደልዩ። ዲሞክራትስ ድማ እቲ ሓገዝ ንካልኦት ሰባት ዝሓውስ ስፍሕ ዝበለ ፓኬጅ ክኸውን ይደልዩ።ኣፈጉባኤ ናንሲ ፐሎሲ ንሆስፒታላትና፣ ንመምሃራን፣ንሰራሕተኛታት ሓደጋ ሓውን ንካልኦትን ሓደ ነገር ክንገብር ዕድልን ቕልጡፍ ሕቶን ኣሎ በላ።

ቀዳማይ ዙር ሓገዝ ዘይበፅሖም ተስፋ ቆሪፆም ይፅበዩ ኣብ ዘለውሉ ኣባላት ኮንግረስ ሓዱሽ ውጥን ንምቕራብ ምስ ሚንስትር ገንዘብ ይደራደሩ ኣለው።

ፕረዚደንት ትራምፕ ብዛዕባ'ዚ ኣብ መላእ ሃገር ንዝርከቡ ብሉፃት ሰራሕተኛታትናን ነኣሽቱ ነጋዶናን ንምሕጋዝ ምስ ዲሞክራት ልዝብና ቀፂሉ ኣሎ።ናብ ስምምዕ ን ቀራርብ ዘለና ኮይኑ ይስምዓኒ’’ ኢሎም።

እቲ ፖለቲካዊ ክትዕ ሓይሉ ቀፂሉ ዘሎ መራሕቲ ትካላት ንግድን መንግስትን ኣሜሪካ ናብ ስራሕ ንክትምለስ ተሃንጢዮም ኣብዝርከብሉ እዋን እዩ።ንዋይት ሃውስ ዝነቕፉ ዲሞክራት ናብ ስራሕ ንምምላስ ምርመራ ወሳኒ እዩ ይብሉ።

ኣፈ ጉባኤ ናንሲ ፐሎሲ ናይ ቁጠባ ማዕፆ ንምኽፋት ቁልፊ ነገር ምርመራ፣ምርመራ፣ምርመራ እዩ፤ከምኡ ኸአ ኣይሰራሕን ዘሎ ትራምፕ ናይ ምምርማር፣ናይ ምሕካም፣ ዝተተንከፉ ኣብ ምክትታልን ምውሻብን ዝግባእ ስራሕ ኣይሰርሑን’’ ኢለን።

ዋይት ሃውስ ትኹረቱ ናይቲ ምርመራ በቲ ለበዳ ብዝኸፍአ ንዝተሃሰያ ከባቢታት እዩ።

ገለ ዲሞክራትን ሪፓብሊካዊያንን ኣመሓደርቲ ክፍለ ግዝኣታት ተወሳኺ ምርመራ ክካይድ ይሓቱ ኣለው።

ፕረዚደንት ትራምፕ ብወገኖም እቶም ኣመሓደርቲ እተን ክፍለ ግዝኣታት ኣብ ምኽፋት ባዕሎም ክቆፃፀሩዎ ይደልዩ ኣብ ምርመራ ድማ ናትና ሓገዝ ይደልዩ ኣለው ክልቲኡ ምሓዝ ኣይክኣልን ኢሎም።

XS
SM
MD
LG