ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መሰል ሓለዋ ዋንነት ንብረት ኣብ ጉዳይ ስነ-ጥበብ ኣብ ከባቢ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ኣሰካፊ ደረጃ ይርከብ


Map of Eritrea and Ethiopia
Map of Eritrea and Ethiopia

ኣብ ሙዚቃን ፊልምታትን ምስርራቕ ሳዕሪሩ`ሎ ይብሉ ክልተ ኣብ`ቲ ሞያ ኣፍልጦ ዘለዎም ሰባት

ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ኣይ ሰላም ኣይ ኩናት ኩነታት፡ ነቲ ናይ ካልኦት ደርፍታትን ፊልምታትን ድርሰታትን ንምውሳድ ዝግበር ገበናት ዕድል ከምዝሃበ ተዓዘብቲ ይገልጹ። ኣብ ውሽጢ ሃገራት`ውን እቲ ዝምታ እናተኻየደ ኸሎ፡ ኣካላት ሕጊ ሸለል ክብልዎ ይርኣይ። እቲ ኩነታት ድማ ንስነ-ጥበባውያንን ነቲ ሞያን ይጎድኦ ምህላዉ ዘተሓትት ኣይኮነን ይብሉ በቲ ጉዳይ ዝሻቐሉ ተዓዘብቲ።

ንምዃኑ ነዚ ቀዲ-በተኽ ዝኾነ ምቕዳሕን ምብዛሕን ፍርያት ስነ-ጥበብን፡ ናብ ሕጊ ዘይምቕራብ ዝግበር ሸለልትነት ወነንትን ብኸመይ ፈውሲ ክርከበሉ ይክኣል? እዚ ኣርእስቲ `ዚ ገፊሕ`ዩ። በብእዋኑ`ውን ክንምለሶ ኢና። ንሎሚ ግን ክልተ ኣብ`ቲ ሞያ ኣፍልጦ ዘለዎም መምህር ጎይትኦም ተገኝ ካብ ኢትዮጵያ፡ መምህር መኮነን ተስፋይ ካብ`ዚ ካብ ዩ.ኤስ ተዘራሪቦምሉ ኣለዉ። ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል፡-

please wait

No media source currently available

0:00 0:19:13 0:00

XS
SM
MD
LG