ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ማሕበር ከየንቲ ትግራይ ንስጉምቲ መንግስቲ ድጋፍ ንምሃብ ሰልፊ ኣካይዶም


መንግስቲ ኢትዮዽያ ኣብ ዘይሕጋዊ መሰል ቅዳሕ ንዝወፈሩ ነጋዶ ይኸስስ’ሎ

ኣብ ኢትዮዽያ ገለ ነጋዶ መሰል ቅዳሕ ጥሒሶም ስራሕቲ ኪነት ብኢደ ወነኖም ኣባዚሖም ይሸጡ። ኣብዚ ብዙሓት ከየንቲ ድኻሞም ንበለል ይተርፍ።

እዚ ዋላ እኳ ብተደጋጋሚ ብዙሕ ይዘረበሉ፤መንግስቲ እውን ትሕዝ ስድድ እናበለ ዋላ ስጉምቲ ይውሰድ እዚ እዩ ዝባሃል ለውጢ ኣይተራኣየን።

ኣብቶም ዝሓለፉ ኣዋርሕ ልዕሊ 1500 ከየንቲ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር መለስ ዜናዊ ኣብ ዘካየድዎ ዘተ መንግስቲ መሰል ቅዳሕ ከኽብር ተመፃቢዑ ነይሩ። ብመሰረት እዚ ሎሚቕነ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ኣብ ካልኦት ክልላትን ብኣማኢት ዝቑፀሩ ነጋዶ መንግስቲ ኣሲሩ’ሎ።

ኣባላት ማሕበር ከየንቲ ትግራይ ድማ ንስጉምቲ መንግስቲ ብምድጋፍ ብቐዳም ኣብ ከተማ መቐለ ሰልፊ ኣካይዶም።

ላዕለዋይ መራሒ ማሕበር ከየንቲ ትግራይ ከያኒ ሙሉ ደሞዝ “መንግስቲ ነቲ ወሲዱዎ ዘሎ ስጉምቲ እናነኣድና ቀፃልነት ክህልዎ ንምሕፀን” ኢሉ። እቲ ዝውሰድ ሕጋዊ ስጉምቲ እውን ነቲ ጥፍኣት ዝምጥን ክኸውን እቶም ከየንቲ ኣዘኻኺሮም።

ድምፃዊት ምፅላል ካሕሳይ ብወገና መሰል ቅዳሕ ምኽባር ካብ ባዕልና ካብ ከየንቲ ክጅምር ኣለዎ ብምባል ኣተሓሳሲባ።

XS
SM
MD
LG