ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መሰል ቅዳሕ፣ሓደ ኪኢላ ኣብ ኣእምሮኡ ዝወልዶ፣ዘዕብዮን ዳሓር ካኣ እንተስ ብፅሑፍ፣እንተስ ብሙዚቃ፣ወሊዱ ኣውፂኡ ናብ ሕ/ሰብ ብምቅራብ ነቲ ንፃዕሩን ድኻሙን ከምውሉዱ ስም ሂቡ ስለዘቅርቦ፣ናይ‘ቲ ኪነ-ጥበባዊ ውፅኢት ዋንነት ምኽባር፣መሰል ኪነ ጥበባዊ ኢልና ኢና ዝገልፆ ይብል ኣቶ ካሳሁን ወ/ጊዮርግስ።

ዘማች ብወገኑ፣ስራሕቲ ኪነ-ጥበብ ሓደ ሰብ፣ብኢደ ዋኒንካ እንተተጠቂምካሉ ከምስነ ኣእምሮኣዊ ስርቂ‘ዩ ዝቁፀር።ዘይራሃፅካሉ ዘይፃዓርካሉ ካብ ምውሳድን ምጥቃምን ክንጥቀቅ ኣለና።ኣይፋሉን ዝብል ሰብ ኣሎ እንተኾይኑ ድማ ክኽሰስ ኣለዎ ባሃላይ‘ዩ።

ዘይናቱ ዝወስድን ዝጥቀምን ደራፊ ከመይ ይከሰስ? ኣበይ ይከሰስ? ዝብሉን ካልኦትን ሕቶታት ዝመለሰ ካልኣይ ክፋል ዝመፅእ ረቡዕ ክቀርብ‘ዩ።

XS
SM
MD
LG