ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣዳለውቲ ዓለምለኸ ዋዕላ ክሊማ ንፈጸምቲ ጉዳይ ነዳዲ ዘፍርዩ ትካላት ብብዝሒ ምዕዳሞም ይንቀፉ


ኣዳለውቲ ዓለምለኸ ዋዕላ ክሊማ ንፈጸምቲ ጉዳይ ነዳዲ ዘፍርዩ ትካላት ብብዝሒ ምዕዳሞም
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:34 0:00

ኣዳለውቲ ዓለምለኸ ዋዕላ ክሊማ ንፈጸምቲ ጉዳይ ነዳዲ ዘፍርዩ ትካላት ብብዝሒ ምዕዳሞም

ኣብ ከተማ ዱባይ ሕቡራት ዓረብ ኢማራት ይካየድ ኣብዘሎ ዓለምለኸ ዋዕላ ክሊማ መራሕቲ ሃገራት ንለውጢ ኩነታት ኣየር ክቆጻጸሩ ኣብ ዝካትዕሉ እዋን፣ ኣተኣናገድቲ’ቲ ዋዕላ ንፈጸምቲ ጉዳይ’ቶም ነዳዲ ዘፍርዩ ኩባንያታት ብብዝሒ ዓዲሞም ተባሂሎም ይንቀፉ ኣለው።

ድሕሪ ናይ ሓደ መዓልቲ ዘይንጹር ስምምዕ ኣብ’ቲ ናይ ሕቡራት ሃገራት ዋዕላ ይሳተፉ ዘለው ተላዘብቲ፣ ናይ ሓደ ሰሙን ጻንሒቶም ዛዚሞም ኣለው።

"ተላዘብቲ፣ ከም’ቲ መብዛሕትኡ ጊዜ ዝግበር፣ ሕውስውስ ዝበሉ እዮም። ኣብ ገሊኡ ከባቢታት፣ ኣብ ሞንጎ ሃገራት ኣፈላላያት ይራኣይ ኣሎ" ዝበላ ወካሊት ጉጅለ ጀርመን ጀኒፈር ሞርገን ‘እንተኾነ፣ ንምስጓም ድልየት ኣሎ ከምዝበላ ኣሶሴይትድ ፕረስ ጸብጺቡ።

እቲ ‘ጭዕጵ28’ ብዝብል መጸውዒ ዝልለ ዋዕላ ክሊማ ኣብ ፈላማይ መዓልቱ፣ መከሓሓሲ ሳዕቤናት ለውጢ ክሊማ ‘ንብርሰትን ጥፍኣትን’ ዝውዕል ዝእከብ ገንዘብ ናብ 720 ሚልዮን ክብ ከምዘበለ ተሓቢሩ'ሎ።

ናይ ሕቡራት ሃገራት ዋና ጸሓፊ ጉዳያት ክሊማ ሳይመን ስተይል ብወገኖም እቲ ዋዕላ፣ ኣዝዩ ቅልጡፍ ስጉምቲ ኣብ ልዕሊ ለውጢ ኩነታት ኣየር ክወስድ ኣለዎ ክብሉ ተላብዮም።

ዲፕሎማት ሕቡራት ሃገራት ዝነበሩን ምክትል ፕረዚደንት’ቲ ዋዕላ ዝኾኑ ኣድናን ኣሚን ብወገኖም ፍልይ ብዝበለ መገዲ ኣዎንታዊ ርእይቶ ይህቡ። "ልዝባት ኩሉሻዕ ሓጎጽጎጽ ኣለዎም። ናይ ሎሚ ዋዕላ ድማ፣ ገለ ድምጽታት ይቃላሓሉ ስለዘሎ፣ ተስፋ ኣለዎ ማለት እዩ።"

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG