ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዓውዲ ንግዲን ወፍሪን መንጎ ኣፍሪቃን ኣሜሪካን ዘሎ ምትሕብባር ንምሕያል  ዝዝትይ መድረኽ ተኻይዱ


ኣብ መንጎ ኣፍሪቃን መንግስትን ወልቀ ዘፈራትን ኣሜሪካ ንግድን ኢንቨስትመንትን ዝሕይለሉ ኣገባብ ከምዝደልያ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣፍሊጠን።ኣብ መንጎ ኣፍሪቃን ኣሜሪካን ዘሎ ንግዲ እውን ብዝበለፀ ክለዓል ዘለወን ድልየት ገሊፀን ኣለዋ።

ኣብ መንጎ ኣፍሪቃን ኣሜሪካን ዝህልው ንግድን ኢንቨስትመንትን ምትእስሳር ብዝበለፀ ንምሕያል መንገዲ ዘናድይ መድረኽ ኢንቨስትመንትን ንግድን ኣፍሪቃ ኣብ ሸራተን ኣዲስ ተኻይዱ’ሎ።

ኣብቲ መድረኽ ውልቀ ዘፈራት ኣፍሪቃን ኣሜሪካን ምስ መራሕቲ መንግስታት ኣፍሪቃን ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ኣሜሪካን ሓሳባት ተለዋዊጦም ኣለው።

ኣብቲ መድረኽ ካብ መንጎ ዝሳተፉ ሰበስልጣን ኣሜሪካ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ኣሜርካ ሜሪ ቤትስ ሊዮናርድ (Mary Beth Leonard) ንጋዜጠኛታት ኣብዝሃብኦ ቃል ሃገረን ምስ ህዝብን መንግስታትን ኣፍሪቃ ዘለዋ ርክብ ዝለዓለ ዋጋ ከምዝህብኦ ብምግላፅ ትኹረት ናይቲ መደረኽ እውን ከምዚ ኢለን።

“መንግስትን ውልቀ ዘፈራት ኣፍሪቃን ኣሜሪካን ኣብ ንግዲን ኢንቨስትመንትን ንምሕያል ዝከኣለሉ ኣገባባት ንምድላይ እዩ።”

ሰብሞያ ብወገኖም ኣብ 2012 ዓ.ም ኣፍሪቃ ናብ ወፃኢ ዝለኣኸቶ ሸቐጣት 640 ቢሊዮን ዶላር በፂሑ እንተነበረ እውን ኣብ 2016 ዓ.ም ግን ናብ 349 ቢሊዮን ዶላር ኣንቆልቂሉ’ሎ።ብደረጃ ዓለም ዋጋ ሸቐጣት ምውራዱ ከምዝሕበር መረዳእታታት ይገልፁ።ካብ መፍትሒኡ ሓደ ብቕልጡፍ ናብ ኢንዱስትሪ ምስግጋር እዩ ይብሉ።

ኣምባሳደር ሜሪ ኣሜርካ ምስ ኣፍሪቃ ዘለዋ ርክብ ንግዲ ከምዚ ክብላ ይገልፅኦ።

“ኣፍሪቃ ንኣሜሪካ ኣገዳሲት ምዃና ካብ እንርእየሎም ርክባት ቁጠባዊ ርክባትና ሓደ እዩ።ኣብ 2030 ናይ ዓለም ሸቐጣትናን ኣገልግሎታትናን ካብ ዝዕድጉ ህዝብታት ዓለም እቶም ርብዒ ኣብ ኣፍሪካቃ ዝነብሩ እዮም ክኾኑ።ምስ ኣፍሪቃ ዘለና ንግዲ እውን እናወሰኸ እዩ።ኣብ 2010 ዓ.ም 17 ቢሊዮን ዝነበረ ኣብ 2014 ናብ 25 ቢሊዮን ዶላር ዓብዩ’ሎ።በዚ ክቕፅል ኢና ንደሊዮ።”

ኣፍሪቃን ኣሜሪካን ዘተአሳስረን ብዙሕ ጉዳያት ከምዘለው እውን እተን ኣምባሳደ ገሊፀን ኣለዋ።

እዚ መደረኽ እዚ ብምትሕብባር Corporate Council On Africa ተባሂሉ ዝፅዋዕ ናይ ኣሜሪካ ትካልን ናይ ሕቡራት ሃገራት ኮምሽን ቁጠባ እዩ ተዳሊዩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG