ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብዓል ኢሬቻ ንፖለቲካን ውልቃውን ድልየት ክውዕል የብሉን ኢሉ ኦፌኮ


ኣብ ኢትዮጵያ ከተማ ቢሸፍቱ በብዓመቱ ኣብ ዝኽበር ብዓል ኢሬቻ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ናይ ፖለቲካን ናይ ውልቂ ድልየቶምን እናፅዓኑ እዮም ክብል ናይ ኦሮሞ ፌደራሊስት ኮንገረስ/ኦፌኮ/ ንገዛኢ ፓርቲን ናይቲ ክልል መንግስትን ኸሲሱ።

ዝቕፅል ሰንበት ኣብ ቢሸፍቱ ሆራ ኣርሰዴ ዝኽበር ብዓል ኢሬቻ ኣብ ተቓውሞ ንዝተቐትሉ ኣማእቲ ዝቑፀሩ ሰባት ኣብ ግምት ክኣቲ እቲ ፓርቲ ፀዊዑ’ሎ።ኦፌኮ ይካየድ ብዘሎ ምድላው ሕጉስ ከምዘይኮነ ብምግላፅ ዘውፅኦ መግለፂ ይሕብር።ኢሬቻ ናይ ህዝቢ ኦሮሞ ናይ ባህልን ናይ እምነትን ብዓል ምዃኑ ብምዝኽኻር ናይቲ ብዓል ኣከባብራ ካብቲ ዝተለመደ ወፃኢ ንምኽባር ምንቅስቓስ ይግበር ከም ዘሎ ይገልፅ።

ኣባል ፈፃሚ ስራሕ ኦፌኮ ኣቶ ጥሩነህ ገምታ ናይ ተቓውሞ ምንቅስቓስ ስዒቡ ኣብ ክልላት ኦሮሚያ፣ኣብ ኣምሕራን ደቡብን ብኣማእቲ ዝቑፀሩ ሰባት ከምዝተቐትሉ ኣዘኻኺሮም።’’ኢትዮጵያዊያን ጥራሕ ከይኮኑስ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ህዝባዊ ምልዕዓል ከምዘሎ፤መንግስቲ ድማ ካብ ዓቐን ንላዕሊ ስጉምቲ ምውሳዱ ስለ ዝተረድኡዎ ሕብረተሰብና እውን ነዚ ብስቕታ፣ብፀሎትን ብምይይጥን ክዝክሮ ኢና ንመርፅ’’ኢሎም።

ህዝቢ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ህዝቢ ኦሮሞ ደቁ ስለዝተቐትሉዎን ኣባላት ተቓወምቲ ስለዝተኣሰሩዎን ውሽጡ ቆሲሉ እዩ ኢሎም ኣቶ ጥሩነ።ሰበስልጣን እቲ ክልል ፅባሕ መልሲ ንምሃድ ቃል ከምዝኣተው እስክንድር ፍሬው ሓቢሩ’ሎ።

XS
SM
MD
LG