ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምስሕሓብ ኣቶ ብርሃኑ ኣባዲን ቤት ፅሕፈት ህውሓትን (ቀዳማይ ክፋል)


ኣቶ ብርሃኑ ኣባዲ
ኣቶ ብርሃኑ ኣባዲ

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ካብ ስርሑ ዝተለዓለ ኣካያዲ ስራሕ ኤጀንሲ መራኸቢ ሓፋሽ ትግራይ ጋዜጠኛን ደራሲን ብርሃኑ ኣባዲ ወግዓዊ ናይ መሰናበቲ ደብዳቤ ንልዕሊ 10 መዓልታት ተጸብዮ ስለዘይበፅሐኒ ናብ ምኽትል ርእሰ ኣማሓዳሪ ክልል ትግራይ ዶ/ር ደብደፅዮን ገብረሚካኤል ናይ ስራሕ መልቀቒ ደብዳበ ፅሒፈ ይብል።

ኣቶ ብርሃኑ "ኣብ ዝኾነ ይኹን ናይቲ ትካል መምርሕን ኣዋጅን ዘየለ ብቤት ፅሕፈት ህውሓት ዝመራሕ ኮሚቴ ሚዲያ ኣብ መዓልታዊ ስራሕና ጣልቃ እናኣተወ ከስርሐና ኣይክኣለን’’ይብል።

ኣባል ፖሊት ቢሮ ህውሓትን ምኽትል ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ህውሓትን ኣቶ ጌታቸው ረዳ ግን ናይ ሚዲያ ኮሚቴ ሓፈሻዊ ኣንፈት ካብ ምትሓዝ ወፃኢ ኣብ መዓልታዊ ስራሕ ኣይኣትውን፤ኣቶ ብርሃኑ ኣባዲ ካብ ሓላፍነቱ ዝተለዓለ ድማ እቲ ዝድለ ለውጢ ስለዘየምፅአ እዩ ኢሎም ኣለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

please wait

No media source currently available

0:00 0:11:40 0:00

XS
SM
MD
LG