ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምስሕሓብ ኣቶ ብርሃኑ ኣባዲን ቤት ፅሕፈት ህውሓትን (ሳልሳይ ክፋል)


ኣካያዲ ስራሕ ኤጀንሲ መራኸቢ ሓፋሽ ትግራይ ዝነበረ ጋዜጠኛን ደራሲን ብርሃኑ ኣባዲ ኣብ መንግስታዊ መሓውር ይኹን ኣብ ኣዋጅ ዘየለ ብቤት ፅሕፈት ህውሓት ዝመራሕ ናይ ውድብ ኣካል ሚዲያ ኮሚቴ ኣብ መዓልታዊ ስራሕ ጣልቃ እናኣተወ ከምዘጸገሞ ይገልፅ።

ኣብ ውሽጢ ህውሓት ደለይቲ ለውጢ ፀብለልታ ኣይረኸቡን’
ኣቶ ብርሃኑ

ኣቶ ብርሃኑ እዚ ጣልቃ ናይ ምእታው ተግባር እቲ ዝድለ ለውጢ ዕንቅፋት የጋጥሞ ከምዘሎ ዘመላኽት እዩ ኣብ ውሽጢ ህውሓት ደለይቲ ለውጢ ፀብለልታ ኣይረኸቡን የግዳስ ለውጢ ዘይደልዩ ወገናት ሕዚ እውን ምስ ሓይሎም እዮም ይብሉ።

ኣባል ፖሊት ቢሮን ምኽትል ሓላፊ ቤት ጽሕፈትን ህውሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብወገኖም ኮሚቴ ሚድያ ኣጠቓላሊ ኣንፈት ካብ ምትሓዝ ወፃኢ ኣብ መዓልታዊ ሰራሕ ጣልቃ ኣይኣትውን፡ ኣቶ ብርሃኑ ካብ ሓለፍነቱ ዝተለዓለ እውን እቲ ዝድለ ለውጢ ስለዘየምፀአ እዩ ኢሎም።

ኣይትስግኡ፤እቲ ለውጢ ኣይቕልበስን
ኣቶ ጌታቸው

ብኣቶ ብርሃኑ ዝተለዓለን ናይ ትግራይ ኣክቲቪስት የልዕልዎ ዘለው እቲ ለውጢ ክቕየር ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ክምልሱ ከለው ኣቶ ጌታቸው ኣብ ውሽጢ ህውሓት ንለውጢ ዝድግፍን ዘይድግፍን ዝበሃል ከምዘየለውን እቲ ለውጢ ክዕንቀፍ እዩ ኢሎም ስግኣቶም ዝገልፁ እውን ክሰግኡ ከምዘይብሎምን ገሊፆም ኣለው።

ዝርዝሩ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG