ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጆርጅ ሳንቶስ ስልጣኑ ክለቅቕ ጸቕጢ ይሕይል፣ “ገና ኣለኹ” ይምልስ


ኣባል ባይቶን ተወካሊ ኒው-ዮርክን ዝዀነ ጆርጅ ሳንቶስ
ኣባል ባይቶን ተወካሊ ኒው-ዮርክን ዝዀነ ጆርጅ ሳንቶስ

ካብ ክልቲኡ ሰልፍታት ዝተወከሉ ኣባላት ተወካሎ ህዝቢ ኣመሪካ፡ ነቲ ብሰፊሕ ተግባራት ብልሽውና ጥፍኣተኛ ኰይኑ ዝተረኽበ ኣባል ባይቶን ተወካሊ ኒው-ዮርክን ዝዀነ ጆርጅ ሳንቶስ ዝመጽእ ሰሙን ካብ ስልጣኑ ንኽኣልዩዎ ኣብ ስምምዕ በጺሖም።

ኮሚተ ስነ-ምግባር ንኣስታት ሓደ ወርሒ ኣብ ዝወሰደ መርመራ፡ ጆርጅ ሳንሶቶስ ብልዕሊ ደርዘን ዝኸውን ምጥፍፋእ ተሓታቲ ገይሩዎ’ዩ።

እቲ ንኽልተ ናይ ምብራር መስርሕ ዝሰገረ ኣባል ባይቶ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ “እቲ መስርሕ ንመጻኢ ኣዝዩ ሓደገኛ ተርእዮ ስለ ዝዀነን እቲ ዝቐረበለይ ክስታት ድማ ቅኑዕ ስለ ዘይኰነን ሕጂ’ውን ካብ ስልጣነይ ኣይክወርድን’የ፡” ኢሉ።

ኣፈ-ጉባኤ ማይክ ጆንሰን ኣብቲ ጉዳይ ሓደ ደምዳሚ መዕለቢ ክግብረሉ ትጽቢት ይግበር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG