ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣባል ባይቶ ኣመሪካ ሸርማን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ዝለዓለ ጸቕጢ ክግበር ይጽውዕ


ኣባል ባይቶ ኣመሪካ ሸርማን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ዝለዓለ ጸቕጢ ክግበር ይጽውዕ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:52 0:00

ኣባል ባይቶ ኣመሪካ ሸርማን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ዝለዓለ ጸቕጢ ክግበር ይጽውዕ

ዝተሓደሰ--ኣባል ኮሚተ ዝምድናታት ወጻኢ ባይቶ ኣመሪካ ዝዀነ ተወካሊ ካሊፎርኒያ ብራድ ሸርማን፡ ኣብቲ ብረቡዕ ኣብ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ኣብ ዝነበረ ከይዲ ምስማዕ፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ሓያል ጸቕጢ ክትገብርን ኣብቲ ዞባ ለውጢ ንምምጻእ ድማ ንተቓወምቲ መንግስቲ ኤርትራ ሓገዝ ክግበረሎምን ጸዊዑ። እቲ ኣባል ኮሚተ ዝምድናታት ወጻኢ ኣብ ዘረባኡ፡ “ኣብ ኤርትራ ቅዋማዊ መንግስቲ ክሳብ ዘይሃለወ ኣብቲ ዞባ ሰላም ክህሉ ስለ ዘይክእል፡ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ኣድላዪ ዝብሃል ጸቕጢ ክግበር” ኣትሪሩ ተዛሪቡ። ካብ መንጎ’ቲ ኣባል ባይቶ ሸርማን ዘቕረቦ ሓሳባት፡ ብወገን መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ደገ ዝግበር ክፍሊት 2%’ውን እኹል ምክትታል ተገይሩ ዘድሊ ስጉምቲ ክወሰደሉ ተማሕጺኑ።

ነቲ ኣኼባ ዝመርሕ ዝነበረ ግዜያዊ ጸሓፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ጆን ባስ ኣብ ዝሃቦ ግብረ-መልሲ፡ ዋላ’ኳ መንግስቲ ኤርትራ ከምቲ ዝድለ ምትሕብባር ኣይግበር፡ ብዝከኣሎም ግን ምስ መንግስቲ ኤርትራ ዘተን ጽምዶን ከም ዝግበሩ መሊሱ። ብዛዕባ’ቲ 2% ግብሪ ድማ ምሉእ ሓበሬታ ኣብ ዝሓዘሉ እዋን ክምልስ ከም ዝመርጽ ኣብሪሁ።

እቲ ኣባል ባይቶ ቅድሚ ሎሚ’ውን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ተመሳሳሊ ተሪር ስጉምቲን እገዳን ክግበር በብእዋኑ ክጽውዕ ጸኒሑ’ዩ።

ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ማሕበራዊ ገጻት ኤክስ (ናይ ቀደም ትዊተር)፡ “ሕጂ’ውን ካብቲ ልሙድ ኣባል ኮንግረስ ብራድ ሸርማን ዘፈንፍን መግለጺ ብዛዕባ ኤርትራ ተሰሚዑ ኣሎ፡” ኢሉ ጽሒፉ። እቲ ሚኒስተር ቀጺሉ፡ “እቲ ኣባል ባይቶ ብዛዕባ ታሪኽ እቲ ዞባ ምሉእ ኣፍልጦ የብሉን ብምባል ብዛዕባ ናጽነት ኤርትራውያን ክዛረብ መሰል የብሉን፡" ኢሉ። ኣስዒቡ ሚኒስተር የመነ መንግስቲ ኣመሪካ ንቃልሲ ናጽነት ኤርትራ ዝልውጥ ስጕምቲ ወሲዱን ብምባል ጽሒፉ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG