ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መርገጺ ኣባላት ቤት ምኽሪ ኣመሪካ ኣብ ጉዳይ ግጭት እስራኤልን ሓማስን


መርገጺ ኣባላት ቤት ምኽሪ ኣመሪካ ኣብ ጉዳይ ግጭት እስራኤልን ሓማስን
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:50 0:00

መርገጺ ኣባላት ቤት ምኽሪ ኣመሪካ ኣብ ጉዳይ ግጭት እስራኤልን ሓማስን

እስራኤል ናብ ቓዛ ሰብኣዊ ረድኤት መታን ክኣቱ መዓልታዊ ንኣርባዕተ ሰዓታት ኲናት ደው ክተብል ተሰማሚዓ። እቲ ስምምዕ ዝንገር ዘሎ፡ ብዛዕባ ዝሞቱ ዘለዉ ፍልስጤማውያን ካብ ዙርያ ዓለም ቁጥዐ እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን`ዩ።ካብ መንጎኦም ድማ ኣባላት ባይቶ ኣመሪካ`ውን ኣለውዎም።

ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ፍልስጤማያን ካብቲ ኲናትን ደብዳብ ነፈርቲ እስራኤልን ምህዳም ኣብ ዝቐጸልሉ እዋን፡ ተኹሲ ናይ ምቁራጽ ዕድል ኣሎ እንተኾይኑ ዝተሓተተ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ኣይፋሉን የለን ኢሉ። ካልኣይ ሕቶ`ውን ቀሪብሉ፡ ቀዳማይ ሚንስተር ቤንያሚን ነተንያሁ ንጠለባት ኣመሪካ ብዘይምስምዑ ተስፋ እናቖረጽካ ዲኻ ትኸይድ ዘለኻ ዝብል ሕቶ: ጆ ባይደን "ካብቲ ተስፋ ጌረዮ ዝነበርኩስ ቅሩብ ድንጉይ ኢሉ`ዩ" ክብል መሊሱ።

ትማሊ ኣብ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣብ ዝነበረ ጋዜጣዊ መግለጺ መብርሂ ዝሃበ ቨንዳንት ፓተል፡ ብዛዕባ`ቲ እስራኤል መዓልታዊ ንኣርባዕተ ሰዓታት ኲናት ደው ከብል`የ ዝበሎ፡ ተወሳኺ ዝርዝር ሂቡ ኔሩ።

ምኽትል ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ "ሰባት ካብ ኲናት ዘለዎ ክፋል ሰሜናዊ ቓዛ ክሃድምሉ ዝኽእሉ ክልተ መተሓላለፊ መስመራት ክህልዉ`ዮም። እቲ ሓደ መስመር መዓልታዊ ንኣርባዕተ ወይ ሓሙሽተ ሰዓታት ዝኸፈት ኮይኑ ብዙሓት ኣሸሓት ሰባት ወጽዮምሉ`ዮም፡ እቲ ካልኣይ ድማ ብሸነኽ ወሰናስን ባሕሪ ኮይኑ ኣብ ማእከላይን ደቡባውን ቓዛ ዝርከቡ ፍልስጤማውያን ናብ ዝሓሸ ክሃድምሉ ዝኽእሉ መስመር`ዩ" ኢሉ።

ኣብ ካፒቶል ሂል ኣብ ዝተኻየደ ቃለ፡ምስክርነት ባይቶ ኣመሪካ፡ ኣንጻር፡ መንግስቲ እስራኤል ተቓውሞ ዘስምዑ ሰባት ናብቲ ባይቶ ብምእታው ተቓውሞ ኣስሚዖም ኔሮም። ኣብቲ ባይቶ ብክልቲኦም ሰልፍታት ንእስራኤል ሓያል ድጋፍ እንተሎ`ኳ፡ ገለ ደሞክራት ግን ብዝሒ ቕትለት ፍልስጤማውያን ይጭነቑ`ለዉ። ደሞክራቲክ ኣባል ባይቶ ጀዋኪን ካስትሮ፡ ክገልጽ ከሎ ፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛ ልዕሊ 20- ሺሕ ቦምባታት ኣዝኒባ፡ ግን ከባቢ ሓሙሽተ ዝኾኑ ጅሆ ጥራሕ `ዮም ተለቒቖም ይብል።

ኮንግረስማን ጀዋኪን ካስትሮ"ቀዳማይ ሚንስተር ነተንያሁ ነቶም ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ንምፍታሕ ኣብ ልዕሊ ፍልስጤማያን ጃምላዊ መቕጻዕቲ ዘቐደመ`ዩ ዝመልስ፡ እዚ ድማ ኣዝዩ ኣሻቒሉኒ`ሎ" ኢሉ።

ኮንግረስማን ግሪጎሪ ሚክስ፡ካልእ ደሞክራት`ውን፡ ሓዲሽ ኣፈ-ጉባኤ ማይክ ጆንሰን ብዛዕባ ብኣመሪካ ንእስራኤል ዝውሃብ ወተሃደራዊ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ፖለቲካ ዝጻወት ዘሎ `ዩ ዝመስል ይብል።

"ኣፈጉባኤ ጆንሰን ንእስራኤል ጥራይ ዝምልከት ተደራቢ ንድፊ ዓንቀጽ ናብቲ ባይቶ ኣቕሪቡ። እንተኾነ ነቲ ንድፊ ዓንቀጽ ምስ ዘቤታዊ ምደባታት ገንዘብ ስለ ዘተኣሳሰሮ፡ ብባይቶ ኣመሪካ ዝሓልፍ ኣይመስልን`ዩ።"

ሪፓብሊካን ኣቦ-መንበር ኮሚቴ ጉዳያት ወጻኢ ሚካኤል ምካወል ብወገኑ ኣብቲ ጉዳይ ምስቲ ደሞክራት ከም ዝሰማማዕ ይገልጽ፡

ኮንግረስማን ሚካኤል ምካወል"ኣነ`ውን በዚ እሰማማዕ `የ።ኣብ ጉዳይ ሃገራዊ ጸጥታና ቀልጢፍና ስጉምቲ ክንወስድ ኣለና። ካብ ሩስያ፡ዩክሬንን፡ ቻይናን ታይዋንን ክሳብ ኣብ ኢራን ዘሎ ኣያቶላን እስርኤልን፡ እዚ ኹሉ ግዜ ዝህብ ጉዳይ ኣይኮነን" ኢሉ።

ሕጂ እቶም ንሰነት ዝቆጻጸሩ ደሞክራት ነቲ ንእስራኤል ክወሃብ ብኣብዝሓ ሪፓብሊካን ዝቐረበ ናይ 14.3 ቢልየን ወተሃደራዊ ሓገዝ ዘሕልፍዎ ኣይመስሉን። ተቓውሞኦም ድማ ኣብቲ እማመ ኣብ ኣገልግሎት ኣታዊታት ውሽጢ ሃገር ኣመሪካ ምንካይ ገንዘብ ክግበር ዝለዝሓትት`ዩ፡ካብቲ ንምኽፋል ግብሪ ሓላፍነት ዝወስድ ትካል።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG