ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኮንግረስ ኣሜሪካ ብዛዕባ ሰብአዊ መሰላት ቃለ-ምስክርነት ሰሚዑ


ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ቶም ላንተስ ኣብ ዓለም ኣብ ልዕሊ ተሓለቕቲ ስቪል ማሕበረሰብን ሰብኣዊ መሰላትን ብዛዕባ ዘጋጥሙ ዘለው ሓደጋታትን ገደባትን ትማሊ ሓሙስ ሰሚዑ።

እቲ ኣኼባ ኣብ ኢትዮጵያ ከም ዝኣመሰላ ሃገራት ምንቅስቓስ ዘይመንግስታዊ ትካላት ዝድርቱ ሕግታት ዝጠመተ እዩ።

ካብ ኣቦ መንበራት ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ቶም ላንተስ ሓደ ዝኾኑ ተወካሊ ዲሞክራሲያዊ ፓርቲ ማሳቹስተስ ጄምስ ሚክጋቨርን ገለ መንግስታት ዓለም ቀንዲ መሰላት ስቪል ማሕበርሰብ ይድርቱ ኣለው ኢሎም።

ካብ ቻይና ክሳብ ሩሲያ፡ካብ ባሕረይን ክሳብ ሜክሲኮ፡ካብ ግብፂ ክሳብ ዙምባቤ ከምኡ’ውን ኣብ ካልኦት ብርክት ዝበላ ሃገራት ሰብኣዊ መሰላት ብመንግስቲ እናተገደቡ ምዃኖም ሚክጋቨርን ገሊፆም።

ነቲ ጉዳይ ክሰምዕ ኣብዝተፀውዐ ኣኼባ ምስክርነቶም ዝሃቡ ኣብ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዳይረክተር መንግስታዊ ርክባት ኣዶተይ ኣክወይ ሓደ እዮም።ንሶም ኣብ ሰብኣዊ መሰላት መጥቓዕትታ ካብዝፍፅማ ሃገራት ንኢትዮጵያ ጠቒሶም።

ሙሉእ ፀብፃባት ንምስማዕ ናብ ምልክት ድምፂ ብምኻድ ጠውቁ

XS
SM
MD
LG