ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ዘሎ ቅልውላው ስለዘይብቅዐ ሕዚ’ውን ሓገዝ ንክቕፅል ኣባላት ባይቶ ዩናይትድ ስቴትስ ፀዊዖም


ኣብቲ ከባቢ ንዘጋጠመ ሕፅረት ምግቢ ድርቂ ሓደ ምኽንያት እንተኾነ’ውን ቀንዲ ምኽንያት ስቅያት ህዝቢ ሱማሊያ ኣኽራሪ ኣል-ሸባብ እዩ

ኩሎም ኣባላት ቤት ምኽሪ ዩናይትድ ስቴትስ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ንዘጋጠመ ናይ ምግቢ፡ናይ ስደተኛታትን ሰብኣዊ ቅልውላዋትን ንምፍታሕ ትኩርነቶም ንክቕፅል ሓደ ጉጅለ ኣባላት ቤት ምኽሪ ዩናይትድ ስቴትስ ፀዊዑ።

ነቲ ኮምቴ ካብዝመርሑ ሓደ ኣባል ቤት ምኽሪ ዩናይትድ ኣቴትስ ጄምስ ሚክጋቨርን ሕቡራት መንግስታት ኣብ ሱማሊያ ዓፀቦ ኣብቂዑ’ሎ ክብል ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ እንተኣወጀ’ውን ኣብቲ ዞባ ዘሎ ቅልውላው ሕዚ’ውን ኣይብቅዐን ኢሎም።

ከምውፅኢት ጥሙር ዅናትን ጥምየትን ገለ 2.5 ሚሊዮን ሱማሊያዊያን ኣለሻ ፀጥታን ምግብን ኣብ ውሽጢ ሱማሊያን ናብ ጎረባብቲ ሃገራትን ተሰዲዶም እዮም።

ሰራሕተኛ USAID ዝኾና ናንሲ ሊንቦርግዩ ዩናይትድ ስቴትስ ዓፀቦ ከጋጥም እዩ ንዝብል ቅድመ መጠንቀቕታ ህፁፅ ምላሽ ብምሃብ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ንናይ ዓለምለኸ ፃዕርታት ከምዝመርሐትን ነቲ ዞባ ልዕሊ 935 ሚሊዮን ዶላር ከምዝሓገዘትን ይገልፃ።

ከምዚ ድማ ይብላ ” ኣብ ውሽጢ 60 ዓመታት ካብዘጋጠሙ ድርቅታት እቲ ዝኸፈአ ደርቂ ኣብዝተኸሰተሉ እዋን ሓገዛት ብምውፋር ለውጢ ኣምፂእና ኢና።’’

ኣብ ቅድሚ ኣባላት ቤት ምኽሪ ቀሪቦም ምስክርነቶም ዝሃቡ ሊቦርግን ካልኦት ሰበስልጣን ምምሕዳር ኦባማን ነቲ ከባቢ ዝውሃብ ዘሎ ሓገዝ ቀፃሊ ንክኸውን ፀዊዕም ኣለው።እቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ኣጋጢሙ ዘሎ ናይ ስደተኛታት ቅልውላው ኣብ ዓለም እቲ ዝኸፍአ ኮይኑ ቀፂሉ’ሎ እውን ኢሎም።

ኣብ ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ንኣፍሪካ ሓገዝ ዘናዲ ቤት ፅሕፈት ዳይረክተር ዝኾና ማርጋሪት ሚክለቪ ጎረባብቲ ሱማሊያ ዝኾና ሃገራት ንሱማሊያዊያን ስደተኛታት ምቕባለን ክቕፅላ ኣብ ምግባር ፈታኒ ምዃኑ ሓቢረን።

XS
SM
MD
LG