ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ባይቶ ኣመሪካ ንኡስ ጉዳያት ወጻኢ ኮሚተ ጉዳያት ኣፍሪቃ ንኤርትራ ብዝምልከት ቃለ ምስክርነት ተዋሂቡ


ተሓጋጋዚት ጸሓፊት ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ ሊንዳ ቶማስ ግሪንፊልድ
ተሓጋጋዚት ጸሓፊት ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ ሊንዳ ቶማስ ግሪንፊልድ

ኣብ ባይቶ ኣመሪካ ጉዳያት ወጻኢ ኮሚተ ጉዳያት ኣፍሪቃ ንኤርትራ ብዝምልከት ቃለ ምስክርነት ተዋሂቡ።

ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኤርትራን ክህሉ ብዛዕባ ዝከኣል ኣብ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ጉዳይ ስደተኛታትን ዝጠመተ ካብ ዝተፈላለዩ ወገናት ቃለ ምስክርነት ሰሚዑ።

ሓንቲ ካብቶም ኣብ ቃለ ምስክርነት ዝተሳተፈት ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ ሊንዳ ቶማስ ግሪንፊልድ ክኾና እንከለዋ ኣብቲ ቃለ ምስክርነት 3.5 ሚልዮን ካብ ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ ብኣሽሓት ብኣዝዩ ሓደገኛ ብዝኾነ መንገዲ ናብ ስደት ይጉዓዙ ምህላዎም ድሕሪ ምጥቃስ: መንግስቲ ዝገብሮ ኣሎ ዝበልኦ ምግሃሳት ሰብኣዊ መሰላት ዘርዚረን።

ብዘይካዚ ንሰን ምስ መንግስቲ ኤርትራ ርክብ ንምምሕያስ ብመንግስቲ ኤርትራ ክግበር ኣለዎ ዝበለኦ ዘርዚረን።

ኣብቲ ቃለ መስክርነት ብዘይካ ተሓጋጋዚት ጸሓፊት ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ ዝኾነ ሊንዳ ቶማስ ግሪንፊልድ፤ ኣባ ሃብቱ ገብርኣብ ዳይረክተር ርክባት ወጻኢ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኣብ ወጻኢ፤ ዶክተር ካልድ በሺር ኣባል ቦርድ ዓዋተ ፋውንደሽንን ሚስ ብራውኒ ብሩቶን ምክትል ዳይረክተር ማእከል ኣፍሪቃ ኣብ ቤት ምኽሪ ኣትላንቲክ ተረኺቦም ቃሎም ሂቦም። ብዘይካዚ ካብ ኣባላት ባይቶ ንዝቐረበሎም ሕቶታትውን መልሲ ሂቦም።

XS
SM
MD
LG