ኣብ ኮንግረስ ኣሜሪካ ናይ መጀመሪያ ምስሕሓብ ሪፓብሊካዊያንን ዴሞክራሲያዊንን ዝተለዓለ ኣባላት ቤት ምኽሪ ስነ ስርዓት እንተድኣ ጥሒሶም ምርመራ ናይ ዘካይድ ቤት ፅሕፈት ስልጣን ንምድራት ሪፓብሊካዊያን ንድፊ ብምቕራቦም እዩ።
ኣብ ዕፁው ማዕፆ ዝተኻየደ ምሃብ ድምፂ ንዴሞክራሲያዊያን ኣባላት ሰኔት ዘቖጥዐ ነይሩ።
ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ዘሎ ብልሽውና ንምፅራግ ወፍሪ ምርጭኦም ዘካየዱ ተመራፃይ ፕረዝደንት ዶናልድ ትራምፕ እዋኑ ኣይኮነን ክብሉ ብቲዊተር ተቓውምኦም ገሊፆም እዮም።
ኣፈጉባኤ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ብምዃን ዳግም ዝተመርፁ ፓል ራያን ናይ ምትሕብባር መልእኽቲ ኣቃሊሖም።
ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ መራሒት ውሁዳን ኮይነን ዳግም ዝተመርፃ ናንሲ ፐሎሲ እውን ከምዚ ክብላ መልእኽተን ገሊፀን።
“ናብራን ተስፋን ህዝቢ ኣሜሪካ ክብ ንምባል ሓላፍነትን ስልጣንን ኣለና።”
ኣብዚ ናይ መጀመሪያ መዓልቲ መበል 115 ኮንግረስ ዝተርኣየ ትስፉው ምልክት ሪፓብሊካዊያን ንመጻኢ ንምፍፃም ዝሃቀኑዎም ዓብይቲ ኣጀንዳታት ንወሃብቲ ድምጺ ክሰምዑ እዮም ዝብል ምዃኑ ኣብ ምምሕዳር ቡሽ ተቖፃፃር ስነስርዓት ኖርም ኤይዘን ይገልፁ።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።