ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብበረድ ኣብ ዝተሸፈነት ዋሺንግተን ዲሲ፡ ኣባላት  ባይቶ ኣመሪካ ንውጽኢት ምርጫ ኣመሪካ ከጽድቑ’ዮም


ህንጻ ባይቶ ኣመሪካ - ዋሽንግተን ዲሲ - ፋይል
ህንጻ ባይቶ ኣመሪካ - ዋሽንግተን ዲሲ - ፋይል

ሎሚ ሰኑይ ንዋሺንግተን ዲሲ ዝሓወሰ ምብራቓዊን ማእከላይን ክፋል ኣመሪካ ብበረድ ኣብ ዝተሸፈነሉን ኩነታት ኣየር ሓያሎ መንግስታዊ ኣብያተ-ጽሕፈት ኣብ ዝተዓጽወሉን፡ ባይቶ ኣመሪካ ንውጽኢት ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣመሪካ ንምጽዳቕ ክጋባእ’ዩ።

ባይቶ ኣብ ከባቢ ፍርቂ መዓልቲ ብኣቆጻጽራ ሰዓት ዋሺንግተን ዲሲ ነቲ 312 ድምጺ ኤለክትሮላል ኮለጅ ብምርካብ ብዓብላሊ ውጽኢት ዝሰዓረ ትራምፕ ከጽድቐሉ’ዩ።

ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመታት ባይቶ ኣመሪካ ንተመሳሳሊ ስራሕን ምጽዳቕ ናይ እዋኑ ዕዉት ጆ ባይደን ምስ ተኣከብ’ዩ፡ ደገፍቲ ዶናልድ ትራምፕ ንህንጻ ባይቶ ኣመሪካ ብምውራር፡ መስርሕ ምጽዳቕ ድምጺ ኣተዓናቂፎም፡ ድሒሩ ንኣስታት ኣርባዕተ ዓመታት መዛረቢ ዛዕባ ኣመሪካ ኰይኑ ጸኒሑ።

ኣብዛ ዕለት ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመታት ዝተፈጸመ ኣጋጣሚ፡ ትራምፕ “መዓልቲ ፍቕሪ” ኢሉ ክጽውዓ እንከሎ፡ ባይደን ብወገኑ “ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ ካብተን ዘይርስዓ መራር ዕለት፡” ክብል ይጠቕሳ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG