ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ፈለግ ኮንጎ ብዘጋጠመ ምግጫው ጀላቡ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሰባት ሞይቶም


ፋይል
ፋይል

ክልተ ጀላቡ ኣብ ፈለግ ኮንጎ ድሕሪ ምግጫወን ብዓሰርታት ዝቑጸሩ ሰባት ሞይቶም ካልኦት ብርክት ዝበሉ ድማ ሃለዋቶም ኣይተፈልጠን ክብሉ ከባቢያዊ ሰብ-መዚ ሓቢሮም።

ጠንቂ ሰብን ንብረትን ጽዒነን ኣብ ከባቢ ኪንሻሳ ኣብ ዝርከብ ክፋል ሩባ ኮንጎ ዝተጋጨዋ ጀላቡ ኣይተፈልጠን።

እንተኾነ ግን ኣብ ፈለግ ኮንጎ ዝንቀሳቐሳ ጀላቡ ብዙሕ ግዜ ንሕግታት መጓዓዝያ ማይ ከም ዘይኽተላ ክንገር ጸኒሑ`ሎ።

ከምኡ`ውን እተን ጀላቡ ብዕንጨይቲ ዝተሰርሓ ኣብ ርእሲ ምዃነን ልዕሊ ዓቐን ስለዝጽዕንወን ነቲ ሓደጋ ተወሳኺ ጠንቂ ኮይኑ ምጽንሑ ሰበ-ስልጣን ይገልጹ።

ካብ መንጎ ኣብ ዓለም ዝተሓተ ናይ ጽርግያ መጓዓዝያ ዘለወን ሃገራት ሓንቲ ዝኾነት ደሞክራቲክ ሪፓብሊክ ኮንጎ፡ ወሓይዝ ቁልፊ ኣገልግሎት መጎዓዝያ ኮይኖም ከም ዘገልግሉ ይፍለጥ።ብእኡ መጠን ድማ ተደጋጋሚ ሓደጋታት ከጋጥም ጸኒሑ`ሎ።

ዝሓለፈ ጥሪ`ውን ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከብ ቀላይ ብዘጋጠመ ሓደጋ ጀልባ 50 ዝኾኑ ሰባት ምጥሓሎም ይዝከር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG