ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ደ/ሪ/ኮንጎ ፈላመይቲ ጓለንስተይቲ ቀዳመይቲ ሚንስተር መዚዛ


ጁዲት ሱሚንዋ ቱሉካ ቀዳመይቲ ሚንስተር ደሞክራቲክ ሪፓብሊክ ኮንጎ
ጁዲት ሱሚንዋ ቱሉካ ቀዳመይቲ ሚንስተር ደሞክራቲክ ሪፓብሊክ ኮንጎ

ፕረዚደንት ደሞክራቲክ ሪፓብሊክ ኮንጎ ፈሊክስ ቲሺከዲ ፈላመይቲ ጓለንስተይቲ ቀዳመይቲ ሚንስተር መዚዙ።

እዚ ኣካል`ቲ ዝሓለፈ ዓመት ዳግም ክምረጽ ከሎ ዝኣተዎ ቃል ምዃኑ ይንገር። በዚ መሰረት ሚንስተር ውጥን ዝነበረት ጁዲት ሱሚንዋ ቱሉካ ቀዳመይቲ ሚንስተር ብምዃን መንግስቲ ናይ ምቛም ሓላፍነት ተዋሂባ`ላ።

እዚ ዝኸውን ዘሎ እታ ብማዕድናት ሃብታም ምዃና ትፍለጥ ኮንጎ ናብ ካልእ ጎንጺ ኣብ ተምርሓሉ ዘላ እዋን`ዩ። ኣብቲ ምስ ርዋንዳ ዘዳውብ ከባቢታት ብዘሎ ግጭትን ወጥርን ልዕሊ 7-ሚልየን ሰባት ተፈናቒሎም ከም ዘለዉ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።

ኣሶሼይትድ ፕረስ 120 ዝኾኑ ዕጡቓት ውዱባት ዝንቀሳቐስሉ ምብራቓዊ ኮንጎ ብማዕድን ሃብታም ኮይኑ፡ ብጽሒቶም ክረኽቡ ብዝደልዩ ዕጡቓት ጃምላዊ ቕትለት ክፍጸመሉ ዝጸንሐ ከባቢ ምዃኑ ይሕበር።

ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ንኮንጎ ቢኒቶ ከይታ ዝሓለፈ ሰሙን ንባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ኤም-23 ዝተባህለ ዕጡቕ ጉጅለ ኣብ ምብራቕ ሓያለ ቦታታት ከም ዝሓዘ ተዛሪቡ።

ኮንጎ ንጎረቤታ ርዋንዳ ኣጽዋር ብምቕባል ክትከሳ ጸኒሓ`ላ። ኣመሪካ`ውን ርዋንዳ ሰራዊታን ኣጽዋራን ካብ ምብራቓዊ ኮንጎ ክትስሕብ ጸዊዓ`ላ። ርዋንዳ ብወገና፡ ኣብ ዶብ ብዝግበር ዘሎ ምትእኽኻብ ሰራዊት ኮንጎ ስግኣት ከም ዝሓደራ ትገልጽ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG