ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

‘አብ ጎንደር ተኸሲቱ ዝነበረ ሽግር ጸጥታ አብ ቁጽጽር ውዒሉ’ሎ’ መንግስቲ ክልል ኣምሓራ


ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝተወሰኑ ከባቢታት ዞባ ሰሜን ጎንደር ተኸሲቱ ዝነበረ ሽግር ፀጥታ ኣብ ቁፅፅር ውዒሉ’ሎ ክብል መንግስቲ እቲ ክልል ገሊፁ’ሎ።

ኣብ መንጎ ብሄረ ኣምሓራን ብሄረሰብ ቅማንትን ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምትን መጀመሪያ ሕዳርን በተኸታታሊ ብዝተላዓለ ግጭት ካብ ሸውዓተ ሰባት ንላዕሊ ከምዝተቐትሉ ቪኢኤ ዘዘራረቦም ነባሪ ከተማ ጎንደር ገሊፆም።

ነባሪ ከተማ ጎንደር ምዃኖም ዝገለፁ ኣቶ ገዳሙ ኣንዳርጌ ኣብ መንጎ ብሄረ ኣምሓራን ብሄረሰብ ቅማንትን ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ግጭት ተላዒሉ ሂወት ሰብ ከምዝጠፍአ ከምዚ ክብሉ ይገልፁ።

‘ኣብ ዝሓለፈ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምትን ኣብ ከባቢ መጀመሪያ ወርሒ ሕዳርን ካብ ከተማ ጎንደር 12 ኪሎ ሜትር ርሒቑ ኣብዝርከቡ ማውራን ወራንጊፍን ኣብ ዝተባሃሉ ከባቢታት ዝተፈፀመ ነገር ነይሩ።ሸውዓተ ሰባት ብጥይት ተወቒዖም ከምዝተቐብሩ ይፍለጥ።’

ኣብ ክልል ኣምሓራ፣ዞባ ሰሜን ጎንደር ብፍላይ ድማ ኣብ ዝተወሰኑ ጣቢያታት ወረዳታት መተማን ጭልጋን ብዝነበረ ዘይምርግጋእ ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰብን ንብረትን ጉድኣት ምብፅሑ ዝተሰምዖም ሓዘን ዝገለፁ ናይቲ ክልል ፕሬዝዳንት ኣቶ ገዱ ኣንዳርጋቸው ሕጂ ግን እቲ ኩነታት ተረጋጊኡ’ሎ፣ጸጥታ እውን ሰፊኑ’ሎ ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ አብዚ ምስማዕ ይኸአል።

XS
SM
MD
LG