ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልላት ኦሮምያን ሶማልያን ንዘጋጠመ ግጭት ወሃብቲ ቃል ክልቲኣን ክልላት ዝጋጨው መግለጺ ይህቡ አለው


ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ክልላት ኦሮምያን ሶማልያን ኣብዚ ሰሙን’ዚ ብዛዕባ ዝስምዑ ዘለው ግጭታት ወሃብቲ ቃል መንግስታት ናይ ክልቲኣን ክልላት ዝጋጨው መግለጺ ይህቡ አለው።

ኣብ ምብራቕ ሃረርጌ ወረዳ ጭናቅስነ ንኣርባዕተ መዓልታት ውግእ ክካየድ ከምዝቐነየ ነበርቲ’ቲ ከባቢ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም።

ትማሊ ድማ ኣብ ክልል ሶማልያ ኣምባሮ ዋጩን ለመፋን ዝተባህሉ ከባቢታት ካብ ንግሆ ጀሚሩ ተኹሲ ከምዝነበረ ነበርቲ ድማ ናይ ምኽልካል ስጉምቲ ከምዝወሰዱ ተሓቢሩ’ሎ።

ብካልእ ወገን ናይ ወረዳ ጉርሱም ምኽትል ሓላፊ ጸጥታ ዝነበረ አቶ መሓመድ ዓብዱራሕማንን ኣመሓዳሪ ዝነበረ አቶ ሰላም መሓመድ ኸምኡ’ውን ናይ ክልል ኦሮምያ አባል በታኒ አድማ ሓይሊ ዝነበረ አብዲ በሽር ዝተባህሉ መንእሰያት ናብ ሃረር እንዳተጉዓዙ ኸለው ተመሳሳሊ ግጭታት ምልዓሉን ናብ ዞባ ጉጂ ከባቢ ነገሌ ቦረና ምስፍሑ’ውን ተሓቢሩ’ሎ።

ብዛዕባ’ዚ ወሃብቲ ቃል መንግስታት ክልቲኣን ክልላት ተገራጫዊ መግለጺ ሂቦም አለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG