ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሽሓት ኢትዮጵያዊያን ናብ የመን ምስጋሮም ቀፂሎም ይብል IOM


ናይ ሕቡራር መንግስታት ትካል ስዱዳት/IOM/ ኣሽሓት ኢትዮጵያዊያን ንዝሓሸ ኢኮኖሚያ ዕድላት ክብሉ ብሓደገኛ ኣገባብ ናብ የመን ምስጋሮም ቀፂሎም ኣለው ክብል ገሊፁ።

ኣብ የመን ኲናት ኣብ ዝቐፀለሉን ንድሕነት ኣስጋኢ ኣብዝኾነሉን ኩነታት እታ ሃገር ንኣሽሓት ስዱዳት ቀርኒ ኣፍሪካ ቀንዲ መሰጋገሪት ኮይና ቀፂላላ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራሕ መብዛሕቲኦም ኣፍሪካዊያን ዝኾኑ ልዕሊ 87 ሽሕ ስዱዳት የመን ኣትዮም ኣለውብመሰረት ፀብፃብ IOM

መብዛሕቲኦም ደቂ ተባዕቲዮን ደቂ ኣንስትዮን ዝኾኑ 602 ኢትዮጵያዊያን ስዱዳት ዝፅዓና ኣርባዕተ ጀልባታት ዝሓለፈ ዓርቢ የመን ከምዝኣተዋ ወሃቢ ቃል IOM ጆል ሚልማና ገሊፆም ኣለው።

XS
SM
MD
LG