ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዶባት ሰሜን ሸዋ ብዘጋጠመ ግጭት ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሰባት ምሟቶም ነበርቲ ገሊጾም


ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዶባት ዞባ ሰሜን ሸዋን ብሄረሰብ ኦሮሞን ብዝተፈጠረ ግጭት ህይወት ሰባት ምጥፍኡ ተገሊፁ።

ኣብ ተዋሰንቲ ዞባታት ሰሜን ሸዋ ወረዳ ኤፍራታ ግድምን ምምሕዳር ብሄረሰብ ኦሮሞ ወረዳ ጅሌ ጥሙጋን ብቕድሚ ትማሊ ሶኑይ ብዝተላዕለ ግጭት ኣባላት ፍሉይ ፖሊስ ሓዊሱ ብዓሰርተታት ዝግመቱ ሰባት ምሟቶምን ምቑሳሎምን ምንጭታት ድምፂ ኣሜሪካ ገሊፆም።

ትኽክለኛ ቁጽሪ ዝሞቱ ሰባት ግን ኣይተፈልጠን።

መንበሪ ኣባይቲ ከምዝተቓፀሉ እውን ሽሞም ክግለፅሎም ዘይደለዩ ነበርቲ ገሊፆም።

ካብ መንግስቲ ሓበሬታ ንምርካብ ዝተገብረ ተደጋጋሚ ፃዕሪ ኣይትዓወት: እንተኾነ መበገሲ እቲ ግጭት ዝምልከት ካብ ዞባ ሰሜን ሸዋ ይኹን ካብ ምምሕዳር ብሄረሰብ ኦሮሞ ዝፍኖ ክልተ ዓይነት ሓበሬታ እዩ።

በቲ ሓደ ወገን ሸኔ ኢሎም ዝፅውዕዎ ሰራዊት ነፃነት ኦሮሞ እዩ ኣበጊስዎ ዝብል ክኸውን ከሎ በቲ ካልእ ወገን ድማ ፈፀምቱ ዕጡቓት መንግስቲ እዮም ክብሉ ይካሰሱ ።

XS
SM
MD
LG