ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ከተማ ሸዋሮቢት ኵናት ይካየድ ምህላው ነበርቲ ገሊጾም


ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ሸዋ ከባቢ ከተማ ሸዋሮቢት ኣብ መንጎ ሓይልታት ጸጥታ መንግስትን ዕጡቓት ፋኖን ካብ ትማሊ ሰንበት ጀሚሩ ክሳብ ሎሚ ኵናት ይካየድ ምህላዉ ነበርቲ ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም።

በቲ ውግእ ሰብኣውን ንዋታውን ክሳራታት ወሪዱ`ሎ ዝበሉ ወሃብቲ ርእይቶ፡ ምንቅስቓስ ሰባት ከምዘየለን ትካላት ወሃብቲ ኣገልግሎት ከም ዝተዓጽዋን ሓቢሮም ኣለዉ። መንግስቲ ብዛዕባ`ቲ ጉዳይ ክሳብ ሕጂ ዝበሎ ነገር የለን። ኣብቲ ከባቢ ንሓደ ሰሙን ዝኣክል ውልዕ ጥፍእ ዝብል ውግእ ክካየድ ምቕናዩ ይፍለጥ። ኮማንድ ፖስት ሰሜን ሸዋ ካብ ደሴ ናብ ሸዋሮቢት ከምኡ`ውን ካብ ደብረብርሃን ናብ ሸዋሮቢት ዝወስድ መንገዲ ካብ ዝሓለፈ 16 ለካቲት 2016 ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ጀሚሩ ንዘይተወሰነ ግዜ ክዕጾ ዘሕለፎ ውሳነ ሎሚ ታሽዓይ መዓልቱ ሒዙ`ሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG