ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ባህርዳር ውግእ ፋኖን ሰራዊት ፈደራልን ይደግሳ


ከተማ ባህርዳር
ከተማ ባህርዳር

ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ንነበርቲ ብምጥቃስ ከም ዘስፈሮ፡ ኣብታ ርእሰ-ከተማ ክልል ኣምሓራ ዝዀነት ባህርዳር ኣብ መንጎ ሰራዊት ፈደራልን ሚሊሻን ፋኖን ውግእ ቀጺሉ ኣሎ።

ክልል ኣምሓራ ምስ መንግስቲ ብምልፋን ኣብታ ርእሰ-ከተማ “ኣንጻር’ቶም ጽንፈኛታት ናይ ገዛ-ገዛ ሃድን” ምጅማሩ ሎሚ ዓርቢ መግለጺ ኣውጺኡ ኣሎ።

መግለጺ እቲ ክልል፡ ዕጡቓት ፋኖ በቲ ዝወረዶም መጥቃቲ ከም ዝሃደሙ ይጠቅስ። ነበርቲ ግን ክሳብ ወጋሕታ ከቢድ ምልውዋጥ ተዅሲ ምንባሩ ንሮይተርስ ኣመልኪቶም ኣለዉ።

ነባሪ መርዓዊ ዝዀነ ካልእ ምስክር’ውን ኣብታ ካብ ባህርዳር 36 ኪሎሜተር ርሒቓ እትርከብ ከተማ’ውን ብተመሳሳሊ ሎሚ ዓርቢ ምልውዋጥ ተዅሲ ምንባሩ ንሮይተርስ ሓቢሩ።

መርዓዊ ኣብ ወርሒ ጥሪ ብሰራዊት ፈደራል ዓስርተታት ሲቪላውያን ዜጋታት ኣብ ዝነበረ ሃድን ገዛ-ገዛ ምቕታሎም ይዝከር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG