ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልላት ኦሮምያን ሶማሌን ዘዳውባ ከተማታት ዝፍጸም መጥቓዕቲ ምቕጻሉ ነበርቲ ገሊጾም


ኣብ ኢትዮጵያ ክልላት ኦሮምያን ሶማልን ኣብ ዘዳውባ ከተማታት ዝርኸቡ ነበርቲ ናይ ክልል ሶማልያ ፍሉይ ሓይሊ ፖሊስን ሚሊሻታትን ዝፈጸምዎ መጥቓዕቲ ሕጂ'ውን ኣየቋረጸን ክብሉ ኣማሪሮም ።

ነበርቲ ብተወሳኺ ኣብ ምብራቅ ሓረርጌ ከተማ ባቢሌ ኣብዚ ሰሙን'ዚ ጥራይ ኣርባዕተ ሰባት ሞሟቶም ገሊጾም። ከም መደበራት ሓለዋ ጥዕና: ኣብያተ ትምህርቲ: ኣብያተ ዕዮ መንግስቲ ኣብ ተወሰነ ቀበሌታት ከምተዓጸወ 'ውን ሓቢሮም ።


ኣብ ሞያሌ ዝርኸቡ ነበርቲ ብወገኖም በብዕለቱ አካላዊ መጥቃዕቲ ከምዝወርዶም ጎንጺ ንዕለታዊ መነባብሮኦም ይጸልዎ ከምዘሎ ሓቢሮም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG