ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናይ ኮሮናቫይረስ ክታበት ንምምዕባለ ዝለዓለ ፃዕሪ ይካየድ ከምዘሎ ተፈሊጡ


ኣብ ዙሪያ ዓለም ተመራመርቲ ክታበት ኮሮናቫይረስ ንምምዕባል ዝለዓለ ፃዕሪ ይገብሩ ኣለው፤ውድብ ጥዕና ዓለም ን170 ሕፁያት ይከታተል ኣሎ።

ሳይንቲስታት ወፅኢታዊ ክታበት ከምዝምዕብል እምነቶም ይግልፁ ኣለው።ብመንፅር ግዜ ትፅቢት ካብ ዝተገበሩን ኣቐዲሙ ከምዝኸውን ዝግለፅ ዘሎ ክታበት ምስቲ ተስፋ ግን መንግስታት እኹል ገንዘብ ኣይምድቡን ዘለው ዝብል ስኽፍታ ኣሎ።ናይ ሎጂስቲክ ፈተና ንምምላእ እውን ብቑዕ ምድላዋት ኣይገብሩል ዘለው ዝብል ስግኣት እውን ኣሎ።

ኣብ ዙሪያ ዓለም ንኣስታት ሽዱሽተ ቢሊዮን ሰባት ዝኸውን መድሓኒት ንምምራት ዘድሊ እንተኾነ እውን መንግስታት ነቲ ፍርቂ ጥራሕ ዝኸውን እዮም መዲቦም ዘለው ይብሉ ክኢላታት።

ብውድብ ጥዕና ዓለም ክትትል ይገበረሉ ኣብዘሎን ብቢሊን መሊንዳ ጌትን ዝተመስረተን ክታበት ብምምዕባልን ብማዕረ ንምክፍፋልን ዝዓለመን The Vaccine Alliance ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ጉጅለ ልዕሊ 170 ሃገራት ይሳተፋ ኣለዋ።

ዩናይትድ ስቴትስ ኣብዚ ተበግሶ ኣይትሳተፍን ዘላ። ምኽኒኣቱ ድማ ምምሕዳር ትራምፕ ንለበዳ ኮሮናቫይረስ ብዝግባእ ኣይሓዞን ኢሉ ብዝኸሰሶ ብውድብ ጥዕና ዓለም ይምራሕ ብምህላው እዩ።

XS
SM
MD
LG