ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሃገራዊ ዋዕላ ቱሪዝም ኣብ ከተማ መቐለ ተኻይዱ


ተሳተፍቲ ሃገራዊ ዋዕላ ቱሪዝም
ተሳተፍቲ ሃገራዊ ዋዕላ ቱሪዝም

ቤት ምኽሪ ንግዲን ዘፈር ማሕበራትን ትግራይ ምስ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ክልል ትግራይ ብሓባር ኣብ ዘሰናደእዎ ሃገራዊ ዋዕላ ቱሪዝም ሶኑይ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ፕላኔት ሆቴል ተኻይዱ።

ሰብ ሃብቲ ኣብ ዘፈር ቱሪዝም መዋእለ ንዋዮም ከውዕሉ ግንዛበ ንምፍጣርን ንምዕዳምን ዝሕግዝ ዋዕላ እዩ ተኻይዱ ይብሉ ሓላፊ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ክልል ትግራይ ኣይተ ዳዊት ሃይሉ።

እቶም ካብ ህዝቢ ዝተላዕሉ ሓሳባት ብቐንዱ ኣብ ክልተ መቒልካ ምርኣይ ይኸኣል። ኣገልግሎት ንምምሕያሽን ኣጋይሽ ንምዕጋብን ዝሰልጠነ ሓይሊ ሰብ ስለ ዘድልይ ኣብዚ መንግስቲ እጃሙ ክፍፅም ይግባእ። ብኻልኣይ ብኣግባቡን ብዝለዓለ ደረጃ ፅርየትን ንኽንሰርሕ ከም ኣገልግሎታት ማይ፣መብራህትን ኢንተርኔትን ዝኣመሰሉ መሰረተ ልምዓት ክማልኡልና ኣለዎም ዝብል ቀሪቡ። ኣይተ ዳዊት ሃይሉ ነዚ ኣመልኪቶም ዝርዝር ዝበለ መልሲን መብርህን ሂቦም።

ላዕለዋይ መራሒ ቤት ምኽሪ ንግዲን ዘፈር ማሕበራትን ትግራይ ኣይተ ኣሰፋ ገብረስላሴ ብወገኖም ዋላ እኳ ጅማሮ እንተሃለወ ኣብ ልምዓት ቱሪዝም ትግራይ ክንድቲ ዝድለ ሰሪሕና ኢና ኢልና ኣይንኣምንን ይብሉ።

ነዚ ፀገም እዚ ንምፍታሕ ድማ ግደ መንግስትን ሰብ ሃብትን እንታይ ክኸውን ይግባእ ኣብ ዝብል ሰፊሕ ዘተ ብምክያድ በብፅሒትና ክንፍፅም ተረዳዲእና ኣለና፤ ፅቡቕ ተመክሮ ዝረኸብናሉ መድረኽ ዘተ እዩ ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይኸአል።

ሃገራዊ ዋዕላ ቱሪዝም ኣብ ከተማ መቐለ ተኻይዱ
please wait

No media source currently available

0:00 0:05:16 0:00

XS
SM
MD
LG