ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቪዥን ኢትዮጵያ ምስ ኢሳት ብምትሕብባር ዘዳለዎ መድረኽ ዘተ ምሕዝነት ኤርትራን ኢትዮጵያን አብ ዋሽንግተን ዲሲ ተኻይዱ

ቪዥን ኢትዮጵያ ዝተባህለ ማህበርን ኢሳትን ብሓባር ኮይኖም ዘዳለውዎ ብዛዕባ ህልው ኩነታት ኢትዮጵያን ኤርትራን መጻኢ ርክባተንን ብዝምልከት ዝሓለፈ ሰንበት አብ ዋሽንግተን ዲሲ ናይ ዘተ መድረኽ ተኻይዱ ኔሩ።

አብቲ ናይ ሓደ መዓልቲ መድረኽ ዘተ ፍሉጣት ፖለቲከኛታትን ምሁራትን ዓበይቲ ናይ አሜሪካ ዲፕሎማት ዝነበሩ ኸምኡ’ውን ብዙሓት ኢትዮጵያዊያንን ኤርትራዊያንን ተረኺቦም ኔሮም።

አብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ሰናይ ምሕዝነት ንምፍጣር እንታይ ክግበር አለዋ ዝብልን ሓያላን መንግስታትን ሃገራትን ቐርኒ አፍሪቃን ዘለወን ድልየትን መፍትሒታቱን ኻብ መንጎ’ቲ ዝቐረበ ብርከት ዝበለ አርእስታት ገሊኡ’ዩ ኔሩ።

ንድሕነት ህዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ጽኑዕ መሰረት ክልቲአን ሃገራት ጎኒ ጎኒ ብሰላም ምስዝነብራ ጥራይ’ዩ ብምባል ዘረባ ዝፈለመ ነባር ተንታሊ ፖለቲካ ታሪኩ ደብረጽዮን’ዩ። “65% ዜጋታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ድሕሪ ክልቲአን ሃገራት ምፍላየን ዝተወልዱ`ዮ፡ እዞም መንእሰያት ኣብ ተወሳኺ ፋይዳ ዘይብሉ ኹናት ክጥበሱ ኣይደልዩን`ዮም” ኢሉ ንሱ።

አብቲ መድረኽ ዘተ ካብ ዝተረኽቡ ዲፕሎማት ኣሜሪካ አብ ሚኒስትር ወጻኢ አሜሪካ ሓላፊ ጉዳያት አፍሪቃ ዝነበሩ ሄርማን ኮሀን ኤርትራ ምስ አሜሪካ ዘለዋ ምሕዝነት አብ ዘመነ ስልጣን ፕሬዝደንት ኦባማ ክቕየር’ዩ ዝብል እምነት ከምዘይብሎም ብምግላጽ ኩነታት ኢትዮጵያን ኤርትራን አብ መንቐራቕሮ ኣእትዩ’ዘሎ ጉዳይ ውሳኔ ኮሚሽን ዶብ ዘይምትግባሩ ምዃኑ’ውን ገሊጾም።

ቅድሚ 18 አዋርሕ አቢሉ ናይ ባዕሎም ዲፕሎማሲያዊ እማመ አቕሪቦም ከምዝነበሩን ንሱ ድማ ክልቲአን ሃገራት ንክልተ ልኡኻት ናብ ሓንቲ ዘይሻራዊት ሃገር ክልእኻ`ሞ፡ ድሕሪኡ ኢትዮጵያ ነቲ ብይን ናይ ንግሆ ክትግብሮ፡ ኤርትራ ድማ ብኡ ንብኡ ድሕሪ ቀትሪ ዝርርብ ክትጅምር ዝብል ምዃኑ አተንቢሆም።

“ኤርትራዊያን ነቲ እማመ ተቐቢሎሞ፡ ኢትዮጵያዊያን ግን አብዮም፡ አይንአምኖምን ኢና ኢሎም። ድሕሪ’ቲ ምትግባር ውሳኔ ኮሚሽን ክሃድሙና’ዮም ኢሎም። ስለዚ አብ’ዚ መንቀራቅሮ ኢና ዘለና” ክብሉ ነቲ ህሉው ኩነታት አብሪሆም። ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ኣመሪካ ዝነበሩ ደቪድ ሺንን ፡ ምሁር ታሪኽ ፕሮፈሰር መስፍን ወልደማርያምን ዝርከብዎም ብርክት ዝበሉ ምሁራትን`ውን መደራታቶም ኣስሚዖም ኔሮም።

አብቲ መድረኽ ዘተ ካብ ተዓዘብቲ ብዙሕ ሕቶታት ቀሪቡ ምላሽ ተዋሂቡሉ።

ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ አብዝዚ ምስማዕ ይኸአል።

XS
SM
MD
LG