ኩሎም ተሸለምቲ ኣብ ዳያስፖራ ማሕበረ-ሰብ ዝነጣጠፉ ንለውጢ ዝተግሁን ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝመቦቅሎምን ሻምፕዮናታት ለውጢ ዝብል መፀውዒ‘ዮም ረኺቦም።እዞም ውልቀ-ሰባት ኣብ ውሽጢ ኣሜሪካ ሱር ዝሰደደ ማሕበረ-ሰብ ኣብ ምፍጣር ርኡይ ኣበርክቶ ኣለዎም ተባሂሎም እውን ይናኣዱ።ከምኡውን ንኣድማሳዊ ፀገማት ንምግጣም፣ሓያል መርበብ ኣብ ምፍጣር ግደኦም ኣበርኪቶም‘ዮም።
ሻምፕዮንስ ኦፍ ቼንጅ (ሻምፕዮናታት ለውጢ)፣ብሉፅ ዓለም ፅባሕ ንክፍጠር ዓሊሙ ብፕረዚደንት በራክ ኦባማ ዝተጀመረ ውጥን‘ዩ።
ተጠባባቂ ኣማኻሪ ሃገራዊ ፀጥታ ኣሜሪካ ዴኒስ ሚክዳንው ነቲ ስነ-ስርዓት ሽልማት ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ ሪኢቶ ”እቶም ተሸለምቲ፣ተራ መሪሕነት ዝሓዙ ኣሜሪካውያን‘ዮም” ክብሉ ንኢዶም። ወሲኾም ”መሃዛይነት፣ዓወት መሪሕነቶምን ክእለቶምን ዝናኣድ፣ኣብ መላእ ኣሜሪካ ዘስዕብዎ ለውጢ ጥራሕ ኣይኮነን እንታይዳኣ ምስ‘ተን ዝመፁለን ሃገራት ምዕባለን ዲፕሎማስያዊ ርክብን ኣብ ምጥንኻር ማእገር‘ዮም” እውን ኢሎም።
ዶ/ር ፀሃየ ተፈራ፣ወ/ሮ ኑኑ ኪዳነ፣ሰምሃር ኣርኣያ፣ጥበቡ ኣሰፋ፣ኒኒ ለገሰን ሰሎሜ ለማን ገሊኦም'ዮም።