ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ርእይቶ ህዝቢ ኣብ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን


መንእሰይ መሓሪ ዮውሃንስ (ጸጋም)፡ ኣይተ ኣብርሃ ደስታ(የማን)
መንእሰይ መሓሪ ዮውሃንስ (ጸጋም)፡ ኣይተ ኣብርሃ ደስታ(የማን)

ኢትዮጵያ ዝሓለፈ ዓርቢ 9 ለካቲት 2010 ዓ.ም ናይ ህፁፅ ኣዋጅ ኣዊጃ ኣላ፡፡ እዚ ህፁፅ ኣዋጅ ኣብታ ሃገር ኣጋጢሙ ዘሎ ቅልውላው ንምዕጋት ዝዓለመ እዩ፡፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ክልላት ኢትዮጵያ ብዘጋጥም ዘሎ ዕግርግርን ተቃውሞን ብርክት ዝበለ ህይወት ሓሊፉ፡፡ ዘይንዓቅ ሃፍቲ ድማ ዓንዩ እዩ፡፡ ካብዚ ብምብጋስ ቤት ምኽሪ ሚንስተራት ኢትዮጵያ ህዝቢ ተረጋግዑ ናብርኡ ክመርሕ ምእንቲ ክኽእል ህፁፅ ኣዋጅ ኣዊጁ ኣሎ፡፡

ነዚ ህፁፅ ኣዋጅ ዝተፈላለዩ ውልቐ ሰባት ዝተፈላለየ ትርጉም ይህብዎ ኣለዉ፡፡ ኣብ መቐለ ኣድላይነት እዚ ህፁፅ ኣዋጅ ኣመልኪተ ምስ ክልተ ምሁራት ርእይቶኦም ሂቦም ኣለው። ምስ ኣቦ መንበር ውድብ ዓረናን ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ መምህር ፖለቲካል ሳይነስ ዝኾኑ ኣይተ ኣብርሃ ደስታን ምስ ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ መምህርን ተመራማርን ፖለቲካ ዝኾነ መንእሰይ መሓሪ ዮውሃንስ እዮም።

ኣብ ኣድላይነት እቲ ኣዋጅ ኣመልኪቱ ኣይተ ኣብርሃ ደስታ እዚ ህፁፅ ኣዋጅ ፍፁም ኣየድልን ነይሩ ድሕሪ ምባል ምክንያቱ እንትሕብር “ህዝቢ እኮ ዓፈና በዚሑ ኢሉ ተቃውሞ እዩ ዘካይድ ዘሎ፡፡ ነዚ ተዓፊነ ኢሉ ተቃውሞ ዘካይድ ህዝቢ መሊስካ ብህፁፅ ኣዋጅ ክትዕፍኖ ትክክል ኣይኮነን፡፡ ካብ ህፁፅ ኣዋጅ ምውፃእ ሕቶታቱ ምምላስ ወይ እውን እንድሕር ዘይትኽእል ስልጣንካ ምልቓቅ እዩ ዝግባእ ነይሩ” ይብል።

መንእሰይ መሓሪ የውሃንስ ድማ ብዛዕባ ህፁፅ ኣዋጅ እንትገልፅ “እዚ ኣዋጅ ግድን ኣድላዩ ኣብ ግዝኡ ዝተኣወጀ እዩ፡፡ ምክንያቱ ዘርኢ ማእከል ገይርካ ብምጥቃዕ ኣብ ጫፍ ስለዝበፅሐ መንግስቲ ድማ ክቆፃፀሮ ስለዘይከኣለ በዚ ኣቢሉ ክቆፃፀሮ ግድን እዩ፡፡ እዚ ድማ ኣባና ዝተጀመረ ኣይኮን ኣብ ኩሉ ኩርናዕ ዓለም ዝስራሕ ስራሕ እዩ” ይብል፡፡

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ርእይቶ ህዝቢ ኣብ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:54 0:00

XS
SM
MD
LG