ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

 ኣብ ሓደሽቲ ተመረፅቲ ፈፀምቲ ስራሕ ህወሓት ኣድሂቡ ዝተውሃበ ርእይቶ ህዝቢ


አቦ መንበር ህውሓት ደብረጽየን ገብረሚካኤል
አቦ መንበር ህውሓት ደብረጽየን ገብረሚካኤል

ኣብርሃ ተክሉ ኣብ ዩኒቨርስቲ ዓዲ ግራት መምህር እዩ፡፡ ብዛዕባ ተገይሩ ዘሎ ምምዕርራይ ፈፀምቲ ስራሕ ህወሓት ዘለዎ ርእይቶ እንትገልፅ፤- “ኣነ ዘለኒ ርእይቶ ካብቲ ጭቡጥ መበገሲ ሓይሊ ገይሩ ስለዝተወሰደ ብወሳናይ መልክዑ ፅቡቅ እዩ ዝብል ገምጋም ኣለኒ፡፡ ኣብዚ ዘየድልዩ ዝሞለቁ ክህልዉ እዮም፡ ኣለዉ ድማ እዮም፡፡ ብድምር ግን ኣብ ኣቦ መንበርን ምክትል ኣቦ መንበር ዝተገበረ ምትኽካእ ዝሓሸ እዩ፡፡” ሓድሽ ነገር የለን ኣብ ኮር ኣመራርሓ ዝነበሩ እዮም መፂኦም እቲ ፀገም ናይ ሓባር ኣይኮነን ንዝብል ርእይቶ ዘለዎ መብርሂ እንትህብ፤-“ኣብተን ጎሊሀን ዝወፃ ሕመቃት ስትራቴጂካዊ ኣመራርሓ ዘይምቅማጥ ፀረ ዲሞክራሲ ኔትወርክ ምጉጅጃል ዝብላ እየን። ኣብቲ ገማጋም ትርጉም ብዘለዎ መንገዲ ዘይምምርሖም ርእዮሞ እዮም፡፡ ኣብቲ ገምጋም ኣፈላላይ የብለይን፡፡ ብዝግባእ ዘይምምራሕ ኣብ ሕሩኽሩኽ ምውዓል እዩ፡፡ እቶም ተተካእቲ ድማ ግድን እዩ ካብኡ ክኾኑ ምኽንያቱ ንፈፃሚት ዝምረፅ ካብ ማእከላይ ኮሚቴ ስለዝኾነ ኣብኡ ኮይኖም ክግበር ዝግብኦ እዮም ገይሮም፡፡ከም ሓበሬታ ግን ሕዚ እውን ብዝሕ ዝበሉ ኣዲስ ኣበባ ዘለዉ እዮም ስለዚ እቶም ፈፀምቲ ኣብዚ ክኮኑ ኣለዎም፡፡ ኣብ ትግራይ ኮይኖም ክመርሑ ኣለዎም” ይብል፡፡

ኣብርሃ ተክሉ
ኣብርሃ ተክሉ

መንእሰይ ክብሮም ሙሉጌታ
መንእሰይ ክብሮም ሙሉጌታ

ድማ ብክልተ ምርኣይ ይከኣል ይብል፡፡ “ሓደ ናይቲ ገምጋም ኣካይዳ እዩ፡፡ እቲ ካልኣይ ንዕኡ ስዒቡ ዝመፅእ ነገር እዩ፡፡ ስለዚ እቲ ገምጋም ካብ ዝሓለፉ ብዓይነቱ ዝተፈለየ እዩ ብኡ ዓጊበ እየ፡፡ ንዕኡ ስዒቡ ዝመፅአ ምትክካእ ግን ንዓይ ዕግበት ኣይተሰመዐንን፡፡ ንማእከላይ ኮሚቴ ይገልፅ እዩ ዝተብሃለ ገምጋም ነቲ ስዒቡ ዝመፅእ ዝገልፅ ኣይነበረን፡፡ ምክንያቱ ነቲ መሪሕ ዝገልፅ ፀገም ኢልና ከነብቅዕ እቲ ስዒቡ ዝመፅአ ግን ኣብ ውሱናት ሰባት እዩ ተግባራዊ ተገይሩ፡፡ ስለዚ በዚ ኣይተሓጎስኩሉን፡፡ ኣብቲ ምትክካእ እውን ሓዱሽ ነቶም ዝነበሩ ፀገም ክኣሊ ዝክእል ንቅድሚት ክመርሕ ዝክእል ዝወስድ ኣመራርሓ እየ ክርኢ ትፅቢት ገይረ ነይረ፡፡ ካብ መናእሰይ ኮነ ደቂ ኣንስትዮ ንቅድሚት ዝወስድ ኣመራርሓ እየ ክርኢ ተፀበየ፡፡ ሓዱሽ ነገር ኣይረኣኩን፡፡ ኣብ ማእከላይ ኮሚቴ ተነፃፃሪ ዓቅሚ ኣለዎም ተባሂሎም እዮም ብጉባኤ ተመሪፆም ኣትዮም፡፡ ስለዚ ካብቶም ማእከላይ ኮሚቴ ናብ ቅድሚት ክመፅኡ ዝኽእሉ ነይሮም ኢለ ይኣምን” ይብል።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG