ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ዝቕመጡ ዲፕሎማት መንግስቲ ኢትዮጵያ ንናይ ዜጋታቱ መረረ ክሰምዕ ኣገዳሲ እዩ ክብሉ መግለፂ ኣውፂኦም


ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣምባሳደር ኣሜሪካ ሳማንታ ፓወር ንኣቶ በቀለ ገርባ ሓዊሱ ኣብ ትሽዓት ሃገራት ዝተኣስሩ ትሽዓተ ፖለቲካዊ እሱራት ክፍትሑ ፀዊዐን።ብኻልእ ወገን ዓለምለኸ መዓልቲ ሰብኣዊ መሰላት ምኽንያት ብምግባር ኣብ ኢትዮጵያ ዝቕመጡ ዲፕሎማሰኛታት መንግስቲ ኢትዮጵያ ንናይ ዜጋታቱ መረረ ክሰምዕ ኣገዳሲ እዩ ክብሉ መግለፂ ኣውፂኦም።

ኣብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ኣሜሪካ ኣምባሳደር ሳምንታ ፓወር ንመዓልቲ ሰብኣዊ መሰላት ምኽንያት ብምግባር ኣብ ዘውፅእኦ ናይ ቲዊተርን ቪዲዮን መግለፂ ኣሜሪካ ኣብ መላእ ዓለም ድምጾም ተዓፊኑ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ንዝተዳጎኑ ፖለቲካዊ እሱራት ክትዝክሮም እያ ኢለን።

እቶም እሱራት ኣቶ በቀለ ገርባ ኣብ ኢትዮጵያ፣ኢልጋር ማማዶቭ ኣብ ኣዛርባጃን፣ኦሌግ ሰንሶቭ ሩሲያ ኣብ ዝተቖፃፀረቶ ዩክሬይን፣ከሊል ማቱክ ኣብ ሶሪያ፣ሊዮፖልዶ ሎፔዝ ኣብ ቬንዝዌላ፣ናርገስ መሓማዲ ኣብ ኢራን፣ኢልሃም ቶቲ ኣብ ቻይና፣ጁሊዮ ኣልፌርዶ ፌረር ታማ ኣብ ኩባ፣ዖማር መሓመድ ዓሊ ኣብ ግብፅን ፋንታ ጃዋራ ኣብ ጋምቢያን እዮም።

ንሰን ብተወሳኺ መሰረታዊ መሰሎም ብምግላፆም ክእሰሩ ተቐባልነት የብሉን፤ተፈቲሖም ምስ ስድርኦም ክፅንበሩ ንፅውዕ ኢለን።

“ኣብ ዙሪያ ዓለም ፖለቲካ ዝመበገሲኡ ማእሰርቲ ስድራታት ተበታቲኖም።ብእምነቶምን ፖለቲካዊ ኣመለኻኽትኦምን ሰባት ብዘይፍትሒ ክእሰሩ ተቐባልነት የብሉን።ስድራ እሱራት ኣይረሳዕናኩም፣ታሪኽኩምን ታሪኽ ካልኦትን ሰማዒ ክሳብ ዝረክብ፣ብዘይፍትሒ ዝተኣስሩ ኩሎም ክሳብ ዝፍትሑ ድምፂ ምስማዕና ቀፃሊ እዩ።”

ናይዞም እሱራት ታሪኽ ካብ ሎሚ መዓልቲ 12 ታሕሳስ 2016 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ መዓልቲ ሓደ ከምዝወፅእ እቲ መግለፂ ይሕብር።

ብዝተኣሳሰረ ዜና ዓለምለኸ መዓልቲ ሰብኣዊ መሰላት ምኽንያት ብምግባር ኣብ ኢትዮጵያ ዝነብሩ ኣምባሳደራት ብሪታኒያ፣ኣውስትራሊያ፣ካናዳ፣ዴኒማርክ፣ኒው ዝላንድ፣ስዊድን፣ቼክ ሪፓብሊክ፣ጀርመንን ኣሜሪካን መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ መሻርኽቱ ብምዃን ማሕበረ ቁጠባዊ ድልየት ህዝብ ንምምላእ ዝገብሮም ፃዕርታት ብምንኣድ ዜጋታት እታ ሃገር ኣሳታፊን ትርጉም ዘለዎ ስቪላዊ ፅምዶን ሓሳብ ብነፃነት ናይ ምግላፅ ነፃነትን ኣገዳሲ ምዃኑ መንግስቲ ናይ ህዝቢ ጠለባት ክሰምዕን ከተኣናግድን ሓገዝና ክቕፅል እዩ ክብሉ ሓባራዊ መግለፂ ኣውጺኦም።

እቲ መግለፂ መነባብሮ ሸሞንተ ሚሊዮን ድኻታት ብፕሮግራም ሴፍትኔት ክመሓየሽ ከምዝተገብረን ኣብ ትምህርቲ ዝተመዝገበ ፍሉይ ምዕባለ ኣብ 1990ታት 20 ሚእታዊት ዝነበረ ሽፋን ትምህርቲ ናብ 93 ሚእታዊት ዓብዩ ብሚሊዮናት ዝቑጸሪ ኢትዮጵያዊያን ህፃናት ትምህርቲ ናይ ምርካብ መሰሎም ከምዝተረጋገፀሎም ይሕብር ።

ፕረዝደንትን ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ መማረፂ ሓሳባት ዝተኣናገድሉ ዴሞክራሲያዊ ሃዋህው ንምፍጣር ኣብ ቀረባ ቃል ምእታዎምን ዘዘኻኸረ እቲ መግለፂ መንግስቲ ዘቐመጦ ናይ ለውጢ ወይ ተሃድሶ ኣጀንዳ ኣብ ግብሪ ከውዕል ይፅውዕ።ናይ ተቓወምቲ መረረ ምምላስን ናይ ህዝቢ ትፅቢታት ምምላእን ኣገዳሲ እዩ ዝበለ መግለፂ ናይ ኢትዮጵያ መፃኢ ብሩህ እዋን ንምርግጋፅ ኣዋጅ ህፁፅ ግዜ ብቕልጡፍ ምልዓል ኣገዳሲ እዩ፤ንምሕጋዝ እውን ቅሩባት ኢና ይብል።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG