ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኮማንድ ፖስት ኣብ ጉዳይ ጸጥታ ኢትዮጵያ መንግስቲ ኤርትራ ንኢትዮጵያ ንምህዋኽ ዝወንጀለሉ ዝሓወሰ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣውጺኡ


ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ ጊዜ ዝተአወጀ አዋጅ ህጹጽ እዋን ፈጻሚ አካል ኮማንድ ፖስት ኣብ ጉዳይ ጸጥታ ኢትዮጵያ መንግስቲ ኤርትራ ንኢትዮጵያ ንምህዋኽ ዝወንጀለሉ ዝሓወሰ ጋዜጣዊ መግለጺ አዋጅ ህጹጽ እዋን ብቕድሚ ትማሊ ኣውጺኡ።

መንግስቲ ኤርትራ ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ ኻብቲ ክቆጻጸሮ ዘይኽኣለ ውሽጣዊ ቕልውላው ንምህዳም ዝግበር ፈተነ’ዩ ኽብል መሊሱ’ሎ።

ነቲ መግለጺ ዝሃቡ ኮሚሽነር ጀነራል ኮሚሽን ፈደራል ፖሊስን ኮማንድ ፖስትን አቶ አሰፋ አብይ ናይ ሰሙን’ዚ ኣፈጻጽማ ኮማንድ ፖስት ዕውት ኔሩ ድሕሪ ምባል ኣብ ሓደ ሓደ ከባቢታት መንገድታት ከምዝተዓጽወን ኣገልግሎት መጉዓዝያን ካልኦት ኣገልግሎታትን ምትዕንቓፋት ከምዝነበሩ አሚኖም ሎሚ መዓልቲ ግን ምሉእ ንምሉእ ተፈቲሑ ኣሎ ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG