ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

 ሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ፡ አዋጅ ህጹጽ እዋን ካብ ሕጊ ወጻኢ’ዮም ንዝበሎም ስጉምቲ ክወስዱ ኮማንድ ፖስት ኣዚዙ


ከተማ አዲስ አበባ ድሕሪ አዋጅ ህጹጽ እዋን

ኣብ ኢትዮጵያ ኮማንድ ፖስት አዋጅ ህጹጽ እዋን ካብ ሕጊ ወጻኢ’ዮም ዝበሎም አካላት ንሰላምን ምርግጋእን ህዝቢ ንምዝራግ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ጸጥታ ጉድኣት ንምውራድ ፈቲኦም ክብል ኣፍሊጡ።

ሓይልታት ጸጥታ’ውን አድላይ ዝበለ ስጉምቲ ንኽወስዱ’ውን ተአዚዞም አለው ክብል ገሊጹ።

ሓይልታት ጸጥታ ትማሊን ሎሚን ኣብ ከተማ ነቀምት ወሲዶሞ ብዝተባህለ ስጉምቲ ሓደ ሰብ ምሟቱን ካልኦት ምቁሳሎም ተፈሊጡ’ሎ።

አዋጅ ህጹጽ እዋን ካብ ዝትግበር ንነጀው ኣብ መብዛሕትኡ ክፋል’ታ ሃገር ሰላምን ምርግጋእን ተፈጢሩ’ሎ ክብል ኮማንድ ፖስት ገሊጹ ዝብል ጸብጻብ ኣብ መንግስታዊ መሓውራት ዜና ተገሊጹ’ሎ።

እንተኾነ ግን ኣብ ክልል ኦሮምያ ብፍላይ ኣብ ከተማታት ደምቢደሎን ነቀምትን ካብ ሕጊ ወጻኢ’ዮም ዝበሎም አካላት ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ሰላምን ምርግጋእን ህዝቢ ንምዝራግ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ጸጥታ’ውን ናይ ኢድ ነታጊ ደርብዮም ጉድኣት ንምውራድ ፈቲኖም ኢሉ’ሎ።

እቲ መግለጺ ሓይልታት ጸጥታ ብዝተኻእለ መጠን ህይወት ሰብ ከይጥእፍእን ሰላምን ምርግጋእን ንምስፋን ዝለዓለ ጥንቃቀ ይገብሩ ኣለው ኢሉ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

መውሃቢ ርእይቶ ኣብ ፈይስቡክ

ኣብዚኣ'ሞ

ተጋሩ ነበርቲ ከባቢ ዶብ ድልየት ሰላም ንምግላፅ’ዩ ብዝብል ናብ ኤርትራ ዝገብርዎ ምስጋር

እዚ ሳይንቲፊካዊ ዘይኮነ መዐቀኒ ህዝባዊ ርእይቶ፤ ንርእይቶ ወሃብቱ ጥራይ እዩ ዘመልክት

XS
SM
MD
LG