ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ፕረዚደንት ትራምፕ ፕረዚደንት ንክኾኑ "ሞራላዊ ብቕዓት’’ የብሎምን” ዳይረክተር FBI


ዳይረክተር ቢሮ ፌደራላዊ ምርመራ ኣሜሪካ/FBI/ ዝነበሩ ጄሚስ ኮሚ ፕረዚደንት ትራምፕ ፕረዚደንት ንክኾኑ "ሞራላዊ ብቕዓት’’ የብሎምን ትራምፕ ንፍትሒ ዕንቅፋት ከምዝፈጠሩ እውን ‘’ገለ መርትዖ ኣሎ’’ ኢሎም።

‘’ A Higher Loyality’’ ዝለዓለ ተኣማንነት ዝብል ኣርእሰቲ ዝሓዘ መፅሓፎም ኣብዚ ሰሙን ቅድሚ ምውፅኡ ምስ ABC ቴሌቪዥን ኣብ ዝካየድዎን ትማሊ ምሸት ሰንበት ኣብ ዝተመሓላለፈን ቃለ ምልልስ እዮምን ነዚ ሪኢቶ ሂቦም።

እቲ መፅሓፍ ሩሲያ ኣብ ናይ 2016 ዓ.ም ምርጫ ንዝነበራ ጣልቃ ምእታውን ሂላሪ ክሊንተን ናይ ውልቂ ኢሜል ንስሩዕ ስርሐን ምጥቓመን ከምኡ እውን ቅድሚ ኮሚ ምብራሮም ምስ ትራምፕ ዝተዘራረቡዎን እዩ።

ትራምፕ ኮሚን ምኽትል ዳይረክተር FBI ዝነበሩ ኣንድሪው ሚኬቢን ብዙሕ ገበናት ዝፈፀሙ እዮም ኢሎምዎም ኣለው።

ትራምፕ ንፕረዚደንት ብቑዕ ድዮም ዝብል ሕቶ ኣብቲ ቃለ ምልልስ ዝቐረበሎም ኮሚ ብቑዕ ኣይኮኑን ግን ድማ ብናይ ኣእምሮ ፀገም ኣይኮነን ኢሎም።

“ናይ ኣእምሮ ብቕዓት የብሎምን ወይ ቅድመ ምዝሕታል ኣእምሮ ኣለዎም ንዝብል ኣነ ኣይቅበሎን እየ።ኣብ ሻርሎትስቪል ንዝተፈፀመ ንኽልተ ወገናት ብማዕረ ዝርኣየ ሰብ፣ንደቂ ኣንስትዮ ዝተሓተ ግምት ዘለዎ፣ብተደጋጋሚ ብዛዕባ ዓበይትን ኣናሽቱን ጉዳያት ዝሕሱን ህዝቢ ኣሜሪካ ድማ ንክኣምኖ ዝፅዕርን እዚ ሰብ እዚ ብሞራላዊ መዕቀኒ ንናይ ኣሜሪካ ፕረዚደንትነት ብቑዕ ኣይኮነን። “


ትራምፕ ንኮሚ ምብራሮም ናይ ቀደም ናይ FBI ዳይረክተ ሮበርት ሙለር ሩሲያ ጣልቃ ንምእታዋን ትራምፕ ፍትሒ ዓንቂፎም እንተኾይኖምን ክምርምሩ ዝገበረ ነይሩ።

XS
SM
MD
LG