ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዕጡቓት ኮሎምቢያ ንምንዋሕ ምቍራጽ ተጻብኦታት ተሰማሚዖም


ወከልቲ መንግስቲን ዕጡቕ ጉጅለን ኣብ ዘተ ፋይል
ወከልቲ መንግስቲን ዕጡቕ ጉጅለን ኣብ ዘተ ፋይል

መንግስቲ ኮሎምቢያን ምስ ሃገራዊ ሰራዊት ናጽነት (National Liberation Army) ዝተባህለ ዕጡቕ ጉጅለን ኣብ ወርሒ ነሓሰ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ዝበጽሑዎ ስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦታት ንተወሳኺ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ንምንዋሕ ተሰማሚዖም።

እቲ ኣቐዲሙ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ዝተበጽሐ ስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦ ሎሚ ሰሉስ’ዩ ዘብቅዕ ነይሩ። በዚ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ምጭዋይ ዜጋታትን ካልእ ጎነጻትን ደው ከብል’ዩ። ኣብ መንጎ ክልተ ወገናት ዝተገብረ ስምምዕ ብተዛማዲ ደሓን ገስጋስ ከም ዝጸንሖ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ እቲ ዕጡቕ ጕጅለ ንኣቦ ተጻዋታይ ሃገራዊት ጋንታ ኮሎምቢያን ጋንታ ሊቨርፑልን ዝዀነ ልዊስ ዲያዝ ንገለ መዓልታት ድሕሪ ምጭዋዩ ግን ሰንከልከል ኢሉ ምንባሩ ይፍለጥ።

ኣብ 2022 ስልጣን ዝተረከበ ፕረዚደንት ጉስታቮ ፔትሮ ነቲ ንኣስታት 60 ዓመታት፡ ኣብታ ሃገር፡ ብዝተፈላለዩ ዕጡቓት ጕጅለታት፡ ዝግበር ዝነበረ ቅትለታት ደው ከብሎ ምዃኑ ቃል ኣትዩ ነይሩ። ብሰንኪ’ቲ ብዕጡቓት ጕጅለታት ዝግበር መጭወቲን ቅትለታትን ዛጊት ኣስታት 450-ሽሕ ዜጋታት ኮሎምቢያ ህይወቶም ምስኣኖም ይግመት።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG